«እዚ ነገር እዚ ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ ንእትኣምኑ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘሎኩም ምእንቲ ክትፈልጡ፣ ከምኡውን ብስም ወዲ ኣምላኽ ምእማን ክትቅጽሉ ምእንቲ።»
1 ዮሃንስ 5:13
ሓሳብ ሰብ ንምድሓን ከምዚ ይርእዮ: «እዚ ሕጉስ ስምዒታት እዚ ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ ንእትኣምኑ ሂበኩም ኣሎኹ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘሎኩም ምእንቲ ክትተስፉ።»
ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስካ ናብ 1 ዮሃንስ 5:13 ክፈትን ንሓሳብ ሰብ ምስ ቃል ኣምላኽ ኣነጻጽር፣ እዚ ድማ ይብል: «እዚ ነገር እዚ ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ ንእትኣምኑ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘሎኩም ምእንቲ ክትፈልጡ።»
ብምድሓንካ ክትርግግጽ እንተ ደኣ ደሊኻ፣ ኣብ ዘይረጋግእ ምስክርነት ናይ ውሽጣዊ ስምዒታትካ ኣይትወከል። የግዳስ፣ ንዘይጋገ ቃል ኣምላኽ ስማዕ:
«ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ እቲ ብኣይ ዝኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ» (ዮሃንስ 6:47)።
ብዙሓት ሰባት ብርእይቶታት ካልኦት ወይ ብስምዒታት ልቦም ይጨነቑ። ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ምርግጋጽ ክረኽቡ ከለዉ ጥራይ እዩ ርግጽነት ንጥርጣረ ዝትክእ።
ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ፣ ርግጽነት ክህሉ ኣለዎ—ንዘይኣምን ምዅናን ይኹን ወይ ንኣማኒ ምድሓን።
«ንዘለኣለም፣ ዎ ጐይታ፣ ቃልካ ኣብ ሰማይ ጸኒዑ እዩ» (መዝሙር 119:89)።
ቃሉ ኵሉ ነገር የረጋግጽ።
«ተዛሪቡዶ፣ ኣይገብሮን ድዩ? ወይስ ተዛሪቡ፣ ኣይፍጽሞን ድዩ?» (ዘሁልቍ 23:19)።
ግናኸ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ: «ብቑዕ ዓይነት እምነት ከም ዘሎኒ ከመይ ጌረ ክርግግጽ እኽእል?» እዚ ብዛዕባ ዓይነት ወይ መጠን እምነትካ ዘይኮነስ፣ ብዛዕባ እቲ እምነትካ እተንብረሉ ሰብ እዩ። ኣብቲ ቅኑዕ ሰብ—ወዲ ኣምላኽ—ምትእምማን ኣሎካዶ?
ምትእምማንካ ኣብ ጽቡቕ ግብሪ፣ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት፣ ስምዒታት፣ ወይ ስነ-ምግባራዊ ትምህርቲ ከም ዘይተመስረተ ኣረጋግጽ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዝበለጸ እምነት ክህልወካ ይኽእል እዩ፣ ገና ግና ንዘለኣለም ክትጠፍእ ትኽእል ኢኻ። ግናኸ ኣብ ክርስቶስ ዘላ ደኻም እምነት ንዘለኣለም ተድሕን፣ ኣብ ርእስኻ ዘላ ዝበለጸ እምነት ድማ ዋጋ የብላን።
እቲ ናብ ወጻኢ ምጥማት ናብ ውሽጣዊ ሰላም የብጽሕ። ሓደ ሰብ ገጹ ናብ ጸሓይ ክመልስ ከሎ፣ ጽላሎቱ ድሕሪኡ ይወድቕ። ንርእስኻን ንዝኸበረ ክርስቶስ ኣብ ሰማይን ብሓንሳብ ክትርኢ ኣይትኽእልን። ወዲ ኣምላኽ ንምትእምማንካ ይረክብ፣ ዝተፈጸመ ስራሑ ንዘለኣለም የረጋግጸካ፣ ቃል ኣምላኽ ድማ ምርግጋጽ ምድሓን ይህበካ።





