ብኸንደይ ዕድመ?
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ገለ ሰባት ንኣምላኽ ዜኽብርዎ ነገራት ኪገብሩ ኸለዉ፡ ክንደይ ዕድመ ከም ዝነበሮም ተሓሲብኩም ትፈልጡዶ? ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ እተጻሕፈ ፍሉይ እዩ፣ ከመይሲ ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ፡ ኣዲኡ ሰላምታ ኣደ ጐይታኣ ምስ ሰምዐት ብሓጐስ ዘለለ (ሉቃስ 1:40-44)። ብሓቂ፡ ኣብዚ፡ ህይወት ዘይተወልዱ ንጐይታ ክቡር ምዃኑ ይዝክረና።
መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኸለና፡ ካልኦት ድማ ዝተፈላለየ ዕድመ ከም ዝነበሮም ንረክብ። ሳሙኤል (1 ሳሙኤል 2:18) ከምኡ’ውን እታ ኣብ ታሪኽ ናእማን እተጠቕሰት ግዙእ ጓል (2 ነገስት 5) ቈልዑ ነበሩ። ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ንእስነቶም ወይ ኣብ መጀመርታ ዕስራታት ዕድመኦም፡ ቅድሚኡ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ኣምላኽ እምነት ዘርኣዩ፡ ይስሃቅ፡ ዮሴፍ፡ ዳዊት፡ ኤርምያስን ዳንኤልን ይርከብዎም። ማርያም፡ ኣደ የሱስ፡ ከምኡ’ውን ደቀ መዛሙርቲ ዅሎም ንእሽቶታት ዝነበሩ ይመስሉ። ጴጥሮስ ኣብ ግዜ ኣገልግሎት የሱስ እንተ ወሓደ 20 ዓመት ዝነበሮ እዩ (ማቴዎስ 17:24-27, ዘጸኣት 30:13-14)፡ ዮሃንስ ግና ጐይታ ድሕሪ ምዕራፉ ልዕሊ 60 ዓመት ጸኒሑ ራእይ ስለ ዝጸሓፈ፡ ንእሽቶ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሕጂ ድማ ንሕና ምእመናን ህይወትና ንጐይታ ብንእስነትና ኽንውፊ ኽንተባብዕ ይግባእ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚርከብ ምንም ነገር የልቦን፡ ስለምንታይ ደኣ ከም ዘሎ ኴንና ንነብር? ኣምላኽ ብሃረርታናን ብጥዕናናን ኩሉ ግዜ ይሓስብ እዩ፡ ንዕኡ ኽንእዘዝን ከነኽብሮን ክንደሊ ኸለና ግና ይሕጐስ። ብሓጐስ፡ ከም እንርእዮ፡ መንእሰያት ከምኡ’ውን ዓበይቲ ንጐይታ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ—እቲ ዝለዓለ ቦታ—ይህብዎ ኣለዉ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡ «ስለዚ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርቡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣሎኹ። እዚ እዩ እቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም» (ሮሜ 12:1 NKJV)። ካልእ ትርጉም ነታ ጥቕሲ፡ «... መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣምልኾኹም» (NASB) ብምባል ይዛዝማ። ህይወትና ንዕኡ ብምምላኽ ክንነብር ይግባእ።
ኣብ ዚመጽእ ግዜ፡ እቲ ንክርስቶስ እተገብረ ኺግለጽ ከሎ፡ ብኸንደይ ዕድመ ኢኻ ንዕኡ ኸም ጐይታ፡ ጥራይ ዘይኰነስ ከም መድሓኒ ድማ ክትክተሎ ጀሚርካ ኸም ዝነበርካ ኺርአ? እዚ ንእሽቶ ኸለኻ እትጅምሮ ነገር እዩ—ቀልጢፍካ ክትጅምሮ ምኽኣልካ ዝሓሸ እዩ!
ኣምላኽ ነዚ ባህግና ኺሕግዘና ብዙሕ መምርሒታት ሂቡና እዩ፡ ንቓሉ ድማ ኽንሰምዕ ኣሎና (መዝሙር 119:9)። ንዕኡ ኸነንብቦ፡ ብትሕትናን ብጸሎትን ካብኡ ኽንመሃር ንኽእል ኢና።





