ሓንቲ ምዉቕ መዓልቲ ነበረት እሞ ኣደ ንንእሽቶ ቻርሊ ኣብቲ መጻወቲኡ ኣብ በረንዳ ኣንበረት። ኣብ ገዛ ትዋፈር ከላ፡ ቻርሊ ብዘይተለምደ መገዲ ኺዛረብ ሰምዓቶ።
ወጻኢ ምስ ረኣየት፡ ሓደ ዓቢ ጸሊም ድቢ ኣብኡ ደው ኢሉ ነቲ ወዲ ኣብቲ መጻወቲኡ ኺርእዮ ኸሎ ብድንገት ደንጸዋ! ቻርሊ ነቲ ድቢ ይስሕቐሉን ኪዛረቦ ይፍትንን ነበረ።
እቲ ድቢ ንሓደ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኺርኢ ከሎ ተገሪሙ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ ኣደ ንንእሽቶ ቻርሊ ኻብቲ መጻወቲኡ ሒዛ ናብ ገዛ ኣተወት፡ ደገ ድማ ብድሕሪኣ ኣዕጸወቶ።
“እቲ ሕጻን ፈጺሙ ኣይፈረሀን!” በለት። “እንታይ ከም ዜጨነቐኒ ጥራይ እዩ ተገሪሙ።” እቲ ፈታዊ ዘይብሉ ድቢ ናብቲ ቐረባ ዱር ተመልሰ። ንእኣ እንታይ ከም ዜጨነቓ እውን ተገሪሙ ኪኸውን ኣለዎ።
ምናልባት እዚ እዩ እቲ ዘይድሓኑ ኣዕሩኽና ብዛዕባ እቲ ዜድልዮም መድሓኒት ክንነግሮም ከለና ዚስምዖም፡ ምኽንያቱ ንኣምላኽ ወይ ንሓጢኣት ስለ ዘይፈርሁ። እቲ ኣብ ገሃነም ንዘለኣለም ምሕላፍ እውን ኣየደንቕን እዩ። እንታይ ከም ዜጨንቐና ጥራይ እዮም ዚሓስቡ—እዚ ጥራይ እዩ።
እወ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እዩ፡ ገሃነም ድማ ኣሰቃቒ ቦታ እዩ። ኵሉ እቲ ዘይንስሓን ናብ መድሓኒት ዘይመጽእን ድማ ናብኡ ኺኸይድ እዩ። የሱስ ብዛዕባ ገሃነም ደጋጊሙ ኣጠንቂቑና። ብሓቂ፡ ብዛዕባ ገሃነም ካብቲ ብዛዕባ ሰማይ ዝበሎ ዓሰርተ ግዜ ዝበዝሕ ተዛሪቡ (ሉቃስ 16 ተመልከት)!።
ድሒንካን ንሰማይ ድሉው ኢኻን? ንጐይታ የሱስ ከም መድሓኒትካ ተቐቢልካዮ ዲኻ? ብጽቡቕ ስራሕ ኣይንድሕንን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡
ሓደ እኳ ኸይተመክሐ፡ ብግብሪ ኣይኮነን
(ኤፌሶን 2:9)። መጽሓፍ ቅዱስ ኵላትና ንኣምላኽ ከም ዝበደልናን ሓጢኣትና ኺሕደገልና ናብ የሱስ ክንመጽእ ከም ዘሎናን ይብል፡ እንተ ዘይኮነስ ድማ ናብ ሰማዩ ኽንከይድ ኣይንኽእልን ኢና።
የሱስ እንኮ እዩ ሓጢኣትና ኺሓድገልናን ኬርሕቖን ዚኽእል። ንሱ ኺገብሮ ይኽእል እዩ ምኽንያቱ ንሓጢኣትና ኣብቲ መስቀል ኣብ ንጹህ ስጋኡ ተሰኪሙ ብሓጢኣትና ተሰቒሉ እዩ።
ንሱ ባዕሉ ሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ተሰኪሙ
(1 ጴጥሮስ 2:24)። ነዚ ጽቡቕ ዜና እዚ ኽትኣምን፡ ኣብኡን ኣብ ሞቱ ኣብ መስቀልን ክትእመን፡ ንእኡ ድማ ከም መድሓኒትካ ኽትቅበሎ ኣሎካ።
ናብ ልብኻ ኺመጽእ ሕተቶ። ሕጂ ኺሓድገልካን ኬድሕነካን ሕተቶ። ንህይወትካ ኺቕይራን ቅድሚ ሕጂ ዘይፈለጥካዮ ሰላምን ሓጐስን ኪህበካን እዩ።
ብኻልእ ድማ ድሕነት የልቦን፡ ከመይሲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ሰባት ዝተዋህበ ካልእ ስም የልቦን፡ በዚ ኽንድሕን ኣሎና።
(ግብሪ ሃዋርያት 4:12)።

— ሲ. ዲ. ካርተር