ኣብነት ኩን … ብቓል: ብምምልላስ: ብፍቕሪ: ብመንፈስ: ብእምነት: ብንጽህና። (1 ጢሞቴዎስ 4:12)
ናይዚ ዘመንና ክርስትያናዊ ኣብያተ ክርስቲያን ንኣብነት ጽቡቕ ሰባት ብምእባይ: ኣብ ክንድኡ ድማ ን«ናይ ሰዓት ዝና» ኣብነቶም ብምምራጽ ዓብዪ ክሳራ ኣጋጢምዎም።
እቶም «ዝዓበዩ» ሰባትና መን ምዃኖም ከም ዘይንፈልጥ ፍጹም ዘይከኣል ምዃኑ ኽንሰማማዕ ኣሎና።
ሓደ ነገር ግና ርግጽ እዩ — እቲ ሕጂ ዘሎ ዝዓበየ ሰብ እቲ ሕጂ ዘሎ ዝበለጸ ሰብ እዩ። እዚ ንክርክር ክፍቲ ኣይኮነን።መንፈሳዊ ባህርያት ዓሚቝን ህዱእን እዩ። እቲ ቅዱስን ትሑትን ሰብ ንርእሱ ኣይከምስልን ወይ ካልኦት ንእኡ ኺገብሩሉ ኣይፈቅድን።
እቲ ንዕላማ ክርስቶስ ኬዕብይ ዚቕንዕ ክርስትያን: ብሓይሊ መንፈስ ኣምላኽ ብምንባር ኪጅምር ይኽእል: ከምኡ’ውን ህይወት ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኬምጽእ። ብዓሚቝ ትሕትናን ብዘይ ምግላጽን ብርሃኑ ኼብርህ ይኽእል።
ዅሉ ንምጥቕላል: እቲ ንክርስትያናዊ እምነት ዝበለጸ ፍርያም መከራኸሪ ገና እቲ ጽቡቕ ህይወት እቶም ዚእመንዎ እዩ!





