ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን እዚ ንደቂ ኣምላኽ ዜስግእ ዘሎ ሓደ ሓደጋ ኣሎ። እዚ ድማ መንፈሳዊ ስንፍና እዩ። ቀደም ንክርስቶስ ምእማን ንብረትካ ምጥፋእ ከምኡውን ህይወትካ ምጥፋእ ዜስዕብ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ሓደጋ እዚ ኣይነበረን። እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ዓብዪ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ሰብ ቅድሚ ምቕባሉ ብሓቂ ኺሓስበሉ ነበሮ።
ግናኸ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ክርስትና፡ እዚ ኹሉ ሓሊፉ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ድላዩ ይሓስብን ይኣምንን እዩ፡ ሓደ እኳ ኣቓልቦ ኣይገብረሉን እዩ። ስደት ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ጠቕሊሉ ደው ኢሉ እኳ እንተዀነ፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ንዅሉ ገዲፎም ንክርስቶስ ኬርብሑ ድሉዋት ዝዀኑ ክርስትያናት ክንደይ ውሑዳት እዮም፧
ብዙሓት ብቕንኣት ተመሊኦም ንክርስቶስ ኬገልግሉ ብምኞት ጀሚሮም ነበሩ፡ ግናኸ ቐስ ብቐስ እታ ቐዳመይቲ ፍቕሪ እናቐነሰት ከደት፡ መንፈስ ድቃስ ድማ ቐስ ብቐስ ሰዓሮም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብቕንዕና ኺነብሩ ተሓጒሶም፡ ግናኸ ንክርስቶስ ብሓቂ ፍቕሪ የብሎምን። ንሱ ድሕሪ ሕጂ እቲ ሓደ ዕላማ ፍቕሮም ኣይኰነን፡ ኣብ መንጎኦምን (ብሓቂ ኣመንቲ እኳ እንተዀኑ) ኣብ መንጎ ሰባት ዓለምን ፍልልይ ምፍላጥ ሓድሓደ ግዜ ኣጸጋሚ እዩ።
ምኽንያት እዚ ዜሕዝን ውድቀት እዚ ኣብ መንፈሳዊ ስንፍና ኺርከብ ኣይከኣልን ድዩ፧ መንፈስ ኣምላኽ ነዚ ኸቢድ ሓደጋ እዚ ኣቓልቦ ምግባር ኣየቋረጸን፡ ከመይሲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ጥራይ ብዛዕባ ስንፍናን ሳዕቤናቱን ዚዛረባ 24 ጥቕስታት ኪርከባ ይኽእላ እየን፡ እቲ ኣማኒ ቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ክንደይ ግዜ እዩ ትጉህ ኪኸውን ዚተላበወ፧
ጸሎት ምግፋሕ
ግናኸ፡ ሕጂ ኣብ ህይወት ክርስትና፡ ነዚ ንህይወት እቲ ኣማኒ ዜዳኽም፡ ንዅሉ ናይ ክርስቶስ ሓቀኛ ምስክርነት ድማ ዜጥፍእ፡ እቲ ቐዳማይ ምኽንያት ወይ ዘርኢ እዚ ዜፍርህ መንፈሳዊ ሕማም እዚ እንታይ ምዃኑ ኽንረክብ ንኽእል እንተ ዀይና ንርአ።
እቲ ናይ ኹሉ ውድቀት መጀመርታ ጸሎት ምግፋሕ እዩ። ኣብ ኵለን መልእኽታት፡ መንፈስ ኣምላኽ ብዛዕባ ዓብዪ ኣገዳስነት ጸሎት ከምዚ ብዝብሉ ቓላት የጕልሕ፡ “ኣብ ጸሎት ትጉሃት ኩኑ”፡ “ብጸሎትን ብልማኖን ኵሉ ሳዕ ጸልዩ”፡ “ኣብ ጸሎት ትጉሃት ኩኑ እሞ ንቕሑ”፡ “ብዘይ ምቁራጽ ጸልዩ።” እቲ ብሩኽ ጐይታና፡ ኣብቲ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝዀነ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ፡ ብቐጻሊ ይጽሊ ምንባሩ ንንበብ፡ ሓደ ግዜ ድማ ኵሉ ለይቲ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ምንባሩ ተነጊሩና ኣሎ። ኣብታ እተታሕዘላ ለይቲ ድማ፡ ኣብ ደብረ ዘይቲ፡ ደጋጊሙ ጸለየ፡ ክሳዕ ኣብ መወዳእታ፡ ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ ብዝያዳ ብቕንኣት ጸለየ፡ ላቡ ኸኣ ከም ዓበይቲ ነጠብጣብ ደም ናብ ምድሪ ይወርድ ነበረ። እቲ ብሩኽ ሰብኣይ፡ እቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፡ እቲ ዓብዪ ኣብነትና፡ ንጸሎት ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እንተ ፈሊጡ፡ ናይ ሕጂ ዘሎናዮ
ቅዱሳት ጽሑፋት ምግፋሕ
እቲ ናብ ታሕቲ ዜወስድ ቐጺሉ ዘሎ ስጕምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ምግፋሕ እዩ። ድሕሪ ሞት ሙሴ፡ እግዚኣብሔር ንእያሱ ብዛዕባ ህዝቢ ናብ ምድሪ ምእታው ኪመርሖ ከሎ፡ ከምዚ በሎ፡
“እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይርሓቕ፡ ግናኸ መዓልትን ለይትን ኣብኡ ኣስተንትን።”
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዚመጽእ ዘመን፡ ህዝቢ ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ኣህዛብ ንጉስ ኬቑሙ ኺደልዩ ኸለዉ፡ ንሱ ብምርጫ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ ጥራይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ተኣዘዘ፡ ኣብ ዝፋን መንግስቲ ኺቕመጥ ከሎ ድማ ቅዳሕ ሕጊ ኺጽሕፍ ነበሮ። እቲ ሕጊ ምሳኡ ኪኸውን ነበሮ፡ ምእንቲ ዅሉ ዘመናት ህይወቱ ኼንብቦ፡ ከምኡ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኹ ኺፈርህ ኪመሃር። ኣብ ኵሉ ሕግን ነብያትን ብቐጻሊ ብዛዕባ ቓል እግዚኣብሔር ተጠቒሱ ኣሎ፡ ኣብ መዝሙራት ድማ ብቐጻሊ ብዛዕባ እቲ ኻብ ምጽናዕን ምምርማርን ሕግታትን ምስክርነታትን ኣምላኽ ዚርከብ በረኸት ንዝክር። እቲ ብሩኽ ጐይታና ብዲያብሎስ ኪፍተን ከሎ፡ ብሰይፊ መንፈስ፡ ብቓል ኣምላኽ ጥራይ ተቓዊምዎ ስዒርዎ። ብጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኪቃወም ከሎ፡ እቲ ዘይተቐያየር መልሱ፡ “ቅዱስ ጽሑፍ እንታይ ይብል፧” ዝብል ነበረ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡
“ካብ ንእስነትካ ቕዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ ኢኻ፡ እዚኣተን ድማ ንጥበብ ኪገብራኻ ይኽእላ እየን።”
ጴጥሮስ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ፡ ከምዚ ይብል፡
“ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ቘልዑ፡ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ንጽህቲ ሓሊብ ቃል ብሃንቀውታ ድለዩ።”
ድሕሪኡ ድማ፡ ነቶም “ከምኡ ዝኸበረ እምነት ምሳና ዝረኸቡ” ኺጽሕፍ ከሎ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣካይዳኦም ሓላፍነት ዘይብሎም ምዃን ዜስዕቦ ሓደጋ ብትሪ የጠንቅቖም፡ ምእንቲ ኣብ ፍልጠት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘይፈሪን ዘይጠቅምን ከይኰኑ፡ ነዚ ነገር እዚ ብምዝካር ኬተባብዖም ይደሊ።
ምስ ዓለም ምምስሳል
ካብዚ ውሑድ ኣብነታት እዚ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት፡ ንቓል ኣምላኽ፡ ምንባብን ምምርማርን ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንርኢ። ከመይሲ፡ ነዚ ምግፋሕ እዚ ቐስ ብቐስ ነታ ስንፍቲ ነፍሲ ናብ ሳልሰይቲ ስጕምቲ ውድቀት ኬብጽሓ እዩ፡ ማለት ምስ ዓለም ምምስሳል፡ ከምኡ ድማ ነቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ብትሪ ዚድገም ምፍልላይ ምጥፋእ። ነዚ ንምርግጋጽ ብዙሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ምጥቃስ ቀሊል እዩ፡ ግናኸ ኣየድልን እዩ።
ናይ መወዳእታ ምዕዳን
ካብ ዮሃንስ 17 ሓንቲ ወይ ክልተ ሓረጋት ጥራይ ኽውስኽ እፈቱ፡
“ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” “ቅዱስ ኣቦ፡ ነቶም ዝሃብካኒ ብስምካ ሓልዎም።”
ፍቑራት ኣሕዋት፡ ሕጂ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዘመን ኢና ዘሎና፡ ቃላት እቲ ብሩኽ ጐይታና ድማ ኣብ ኣእዛንና ብዝያዳ ንጹር ኮይኑ ይሰማዕ ኣሎ፡ “ኣነ ብቕልጡፍ እመጽእ ኣሎኹ”፡ ስለዚ፡ ነቲ ፍቑር ደቀ መዝሙሩ ዮሃንስ ዚብሎ ዘሎ ብዝያዳ ብትሪ ንጠንቀቕ፡
“ሕጂ ኸኣ፡ ንኣሽቱ ደቀይ፡ ኣብኡ ጽንዑ፡ ምእንቲ ኺግለጽ ከሎ፡ ብምምጽኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍር፡ ብትብዓት ክንከውን።”






