... ኣብ ስራሕ ካልኦት ብዘይልክዕ ኣይንምካሕን፣ ግናኸ እምነትኩም እንተ ዓብየ፣ ከምቲ ወሰንና ኣብ ማእከልኩም ክንዓቢ ተስፋ ኣሎና፣ ምእንቲ ወንጌል ካብዚ ንላዕሊ ብብዝሒ ናባኻትኩም ክንሰብኽ፣ ኣብ ወሰን ካልኦት ብዝተዳለወ ዘይንምካሕ።» (2 ቈረንቶስ 10:15,16)
ወንጌል ካብቲ ክሳዕ ሕጂ ዝነበረ ወሰንና ወጻኢ ንምስባኽ ብኸመይ ኢና ድሉዋት? እዛ ሕቶ እዚኣ ቅኑዕ እያ፣ ንጥቕምና ኸኣ ክንሓትታ ይግባእ። ወንጌላዊ መንፈስ ዘየስፋሕፍሕ ክርስትያን ዘሕዝን ክርስትያን ምዃኑ፣ ከምኡ’ውን ንወንጌል ዘየገድሳ ማሕበር ኣብ ምዉት ኩነታት ከም ዘላ፣ ኣሚነ እየ። ሓደ ካብቲ ዝበለጸ መለለዪ መንፈሳዊ ዕብየትን ጽቡቕ ውሽጣዊ ኩነታትን – ብውልቂ ይኹን ኣብ ማሕበር – ምእማን ዘይብሎም ሰባት ክምለሱ ምድላይና እዩ። ቃል ክርስቶስ ብብዝሒ ኣብኡ ዝነብር ክርስትያን ንሓጥኣን እዚ ቃል እዚ ንምስባኽ ጻዕሪ ከም ዘይገብር ክቕበል ይኸብድ እዩ።
ብዙሓት ኣገልገልቲ ክርስቶስ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ሓደ ቦታ ብምጽናሕ ጌጋ ከም ዝገበሩ ክሕተት ይኽእል እዩ። ንሓደ ዓይነት ልማድ ተገዚኦም፣ ኣብ ብዙሕ ኩነታት ከኣ ከም ሰማዕቶም ሽባ ኮይኖም ኣለዉ። ኣብዚ ብዛዕባ ኣገልግሎት ጓሳ፣ ሽማግለን መምህርን፣ ኣብ ማእከል እቶም ድሮ ንወንጌል ዝኣመኑ ዝግበር፣ ኣይዛረብን እየ። ኣብ ክንድኡስ ብዛዕባ እቲ ወንጌላዊ እዩ ዝዛረብ ዘለኹ፣ ንሱ ሓደ ቦታ ጥራይ ክጸንሕ ኣይፍቀደሉን እዩ። ናይ ስራሑ ቦታ ዓለም እያ። መርሖኡ ናብቶም ወንጌል ዘይፈልጡ ምኻድ እዩ። ዕላማኡ ኣምላኽ ዝጽውዖም ሰባት ምእካብ እዩ። ናይ ባህሪኡ ሕጊ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ምምርኳስ እዩ። ጳውሎስ ንዕብየት ቈረንቶሳውያን፣ ንኣኦም ወንጌል ዝሰበኸሎም፣ ብምርኣይ፣ ሕጂ ወንጌል «ካብዚ ንላዕሊ ናባኻትኩም ክሰብኽ» ተስፋ ገበረ።
ብመጨረሻ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣንባቢ፣ ወንጌላዊ ይኹን ኣይኹን፣ ወንጌል ክርስቶስ ኣብ ምዝርጋሕ እንታይ ዕብየት ከም ዝገብር ብጸሎት ብኸቢድ ክሓስብ እምነ። ንሕና ግብረ-ኣልቦ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ግዜ ይሃርፍ ኣሎ! ዘለኣለማዊ ህይወት ብቕልጡፍ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ጐይታ ብዘይልክዕ ብቑዕ እዩ። ሰባት ብዘይልክዕ ክቡራት እዮም። ግዜ ስራሕ ብቕልጡፍ ክውዳእ እዩ። እቲ ክንገብሮ ዝኸኣልና ምስ ገበርና ኸኣ፣ ናብ ጎረባብቲ ከባቢታት ክንከይድ፣ ወንጌል ከኣ ናብቶም ክሳዕ ሕጂ ዘይሰምዕዎ – ክሳዕ ዝርሑቕ ከባቢታት – ክነብጽሕ ንኽእል ኢና።
ሲ.ኤች.ኤም. }





