ካብዚ ናብኡ ኽንበጽሕ ንኽእል ዲና?
ናብ ሰማይ ከመይ ጌርና ንበጽሕ? ካብዚ ናብኡ ኽንበጽሕ ንኽእል ዲና? ገሊኦም ሰባት ካበይ ኪጅምሩ ኸም ዘለዎም እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ዙርያኦም ይጥምቱ እሞ ብዙሓት ሃይማኖታት ናብ ሰማይ ዚወስድ መገዲ ኸም ዝዀኑ ይዛረባ። እዚ ኩሉ ጌጋ ኪኸውን ይኽእል ድዩ? ምናልባት ናብ ሰማይ ዚወስድ መገዲ የለን። ምናልባት ካብዚ ናብኡ ኽንበጽሕ ኣይንኽእልን። ምናልባት ድሕሪ ሞት ንዘለኣለም ዝሑልን ጸልማትን ጥራይ እዩ ዘሎ። ግናኸ፡ ኣይፋሉን!
ሓደ መገዲ ኣሎ፡ እቲ መገዲ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ጥራይ እዩ ናብ ሰማይ ከይዱ ንዓና ቦታ ኸዳልወልና፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ቤቱ ኺወስደና ኸም ዚምለስ ዝበለ (ዮሃንስ 14:3)። ንሱ ጥራይ እዩ «ኣነ እየ እቲ መገዲ» ናብ ሰማይ (ዮሃንስ 14:6) ዝበለ። ካብ ምዉታት ምስ ተንስአን ናብ ሰማይ ምስ ከደን ኣረጋገጾ (ግብሪ ሃዋርያት 1:1-9)።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡
ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ኸይጠፍእ፡ የግዳስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ፡ ንእኡ ሃቦ (ዮሃንስ 3:16)።
ዓለም፡ ሰብ፡ ወይ ነፍሳት እኳ ከይተፈጥሩ፡ ኣምላኽ ነበረ፡ ንሱ ድማ መደብ ነበሮ!
ኣምላኽ ንዓለምን ንዓናን ምስ ፈጠረና፡ ሕማቕ ከም እንኸውን፡ ከም እንሕሱ፡ ከም እንሰርቕ፡ ከም እንታልል፡ ከምኡ’ውን ንሓድሕድና ከም እንጕድእ ይፈልጥ ነበረ። እዚ ኩሉ ነገራት እዚ እኳ እንተ ዘይገበርና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡
ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን (ሮሜ 3:10)።
ወለድና ክንእዘዝ ከለና፡ ጌጋ ነገር ክንገብር ከለና፡ ወይ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ሕማቕ ነገር ክንዛረብ ከለና፡ ንሓጢኣት ኢና። ኣምላኽ ንሓጢኣት ኪጻወሮ ኣይኽእልን፡ ግናኸ ስለ ዝፈትወና፡ ካብ ኩሉ ሓጢኣትና ዜንጽሓና መገዲ ኣዳልዩልና እዩ።
እዚ ንምግባር፡ ሓደ ሓጢኣት ዘይብሉ ሰብ ንሓጥኣን ኪመውት ነበሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡
ደም ከይፈሰሰ ምሕረት የልቦን (እብራውያን 9:22)፡
ማለት ምሕረት ሓጢኣት። ኩሎም ሰባት ሓጥኣን ስለ ዝዀኑ፡ ካብ መጀመርታ ግዜ ኽሳዕ ሕጂ፡ ኣምላኽ ንሓደ ወዱ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንዓለም ለኣኾ፡ ምእንታና ኺሳቐ፡ ደም ኬፍስስ፡ ኣብ መስቀል ድማ ኪመውት። ሕሰቦ!
ወዲ ኣምላኽ ህይወቱ ምእንታኻን ምእንታይን ሃበ። ስለምንታይ? ስለ ዝፈትወናን መድሓኒናን ዓርክናን ኪኸውን ስለ ዝደልን እዩ። ሕጂ ምስኡ ኽንዛረብ፡ ድሕሪኡ ድማ ንዘለኣለም ኣብ ሰማይ ምስኡ ኽንነብር ይደሊ።
ምስ ኣምላኽ ንምርኻብ ወይ ናብ ሰማይ ንምብጻሕ ሃይማኖት ከም ዘየድልየካ ዘክር። ግናኸ ምስ ወዲ ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝምድና የድልየካ እዩ። ንእኡ ናብ ሰማይ ዚወስድ ሓደ መገዲ ጌርካ እንተ ተቐቢልካዮን ካብ ሓጢኣትካ እንተ ተመልስካን፡ ሓድሽ ክትከውንን ንኣምላኽ ቅቡል ክትከውንን ኢኻ። ንዘለኣለም ኣብ ሰማይ ምስኡ ኸም እትኸውን ብምፍላጥ ሓጐስን ሰላምን ኪህልወካ እዩ።
ቃለይ ኣይትውሰድ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፡ ብወንጌል ዮሃንስ ጀምር። ብዛዕባ ኢየሱስ ንገዛእ ርእስኻ ተማሃር እሞ ከም መድሓኒኻ እመን፡ ሽዑ ኣብ ሰማይ ክንራኸብ ኢና። ካብዚ ናብኡ ኽትበጽሕ ትኽእል ኢኻ! ከመይ ጌርካ ኸም እትበጽሕ ክንነግረካ ንኽእል ኢና።





