ብስራት– ሰነ 2023 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
እቲ ገና ዘይትፈልጦ ኣምላኽ
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፡ ጳውሎስ ዝስሙ ሰባኺ ኣቴንስ፡ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ፍልጥቲ ከተማ በጽሐ። እታ ከተማ ህንጥይቲ ነበረት! ብዙሓት ሰባት ኣብ ዕዳጋ ይኸዱን ይመጹን ነበሩ፡ ዝረኣይዎ ወይ ዝሰምዕዎ ነገራት ድማ ይገልጹ ነበሩ።
ጳውሎስ ናብ ኣቴንስ ምስ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣዕሩኹ ክራኸብ መደበ። ንሳቶም ክሳዕ ዝመጹ እናተጸበየ፡ ክዘውር፡ ዕላል ክሰምዕን ንኣታውን ክርእን ግዜ ነበሮ። ሓደ ዝያዳ ዝስሕቦ ዝነበረ ነገር፡ ዝርእዮ ዝነበረ ብዝሒ ጣኦታትን ቤተ መቕደሳትን እዩ ነይሩ። ኣብ ኩሉ ቦታ ዝርከቡ ይመስሉ ነበሩ! ብሓቂ ድማ፡ “ንዘይፍለጥ ኣምላኽ” ተባሂሉ እተሰርሐ መሰውኢ ረኣየ (ግብሪ ሃዋርያት 17:23 NKJV)። ህዝቢ ኣቴንስ ንዝኾነ ኣምላኽ ክሓድጉ ስለ ዘይደለዩ፡ ገና ዘይተማህርዎ ኣምላኽ እንተሎ ኢሎም ኣብቲ መሰውኢ መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ።
ዓለምና ሎሚ ምስ ኣቴንስ ብዙሕ ትመሳሰል እያ፡ኣይኮነትን ድያ? ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ እምነታት ኣለዎም። ንሱ መን እዩ? እንታይ ይመስል? ካባና እንታይ ይደሊ? ብዛዕባኡ ብዙሕ ሓሳባት ስለ ዘሎ፡ እንታይ ከም እንኣምንስ ኣገዳሲ ድዩ? ምናልባት ንስኻ እውን ገለ ኻብዚ ሕቶታት እዚ ሓቲትካ ትኸውን። ምናልባት ስድራቤትካ ብሓደ ፍሉይ ኣምላኽ ይኣምኑ ይኾኑ፡ ወይ ድማ ብብዙሓት ኣማልኽቲ ይኣምኑ ይኾኑ። ወይ ድማ ስድራቤትካ ብፍጹም ኣምላኽ ከም ዘየሎ ይኣምኑ ይኾኑ።
ንጳውሎስ፡ እዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝቐረበ ሕቶታት ብሉጽ ዕድል ፈጠረሉ። ንህዝቢ ኣቴንስ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ እምነቱ ክነግሮም ጀመረ። ንሱ ንኹሉ ዝፈጠረ ዓቢ ኣምላኽ እዩ – እቲ ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ። (እዚ ፍጻመ ኣብ ህይወት ጳውሎስ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 9, 22, 26 ተመዝጊቡ ኣሎ።)
ጳውሎስ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ኩሉ ስልጣንን ኩሉ ፍልጠትን ከም ዘለዎ ገለጸ። ንሱ ንምድሪ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሕና እንነብረሉ ግዜን ቦታን እውን ፈሊጡ እዩ። ካብኡ ዝገርም ድማ፡ ምሳና ርክብ ክህልዎ ምድላዩ እዩ። ጳውሎስ “ካብ ነፍሲ ወከፍና ርሑቕ ኣይኮነን” በለ፡ ንእኡ እንተደለናዮ ድማ ብርግጽ ክርከብ እዩ (17:27)።
ዝያዳ ኣገዳሲ ድማ፡ ጳውሎስ ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝፍለጥ ወሰኸ። ሓጢኣትናን ገበናትናን ካብ ኣምላኽ የርሕቐና እዩ፡ ግናኸ ኢየሱስ ንሓጢኣትና ቅዱስ ክፍሊት ክኸውን ደሙ ኣፍሲሱ ሞተ። ድሕሪኡ ድማ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ! እዚ ድማ ክፍሊቱ ከም እተቐበለ የርኢ፤ ንእኡ ከም መድሓኒና እንተኣሚንናዮ ድማ ይቕረ ክግበረልና ይኽእል እዩ። ትንሳኤ ኢየሱስ ድማ ሓደ መዓልቲ ንመላእ ዓለም ፈራዲ ክኸውን ብቑዕ ይገብሮ። ሓጢኣትና እንተዘይተናዘዝናን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒና እንተዘይተኣሚንናን፡ ሽዑ ንሓጢኣትና ክፈርደና ግድነት እዩ።
ህዝቢ ኣቴንስ መልእኽቲ ጳውሎስ ምስ ሰምዑ፡ገሊኦም ሰሓቑ፡ ገሊኦም ድማ ክሓስቡሉ ምዃኖም ገለጹ። ገሊኦም ግና ኣመኑ፡ እቲ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ኣምላኽ ድማ ኣምላኾም ኮነ! ንስኻ እውን ከምኡ ክትገብር ዲኻ? እቲ ገና ዘይትፈልጦ ኣምላኽ ዓቢ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ። ንሱ ይፈልጠካ፡ ይፈትወካ፡ ካብ ሓጢኣትካ ንምድሓን ድማ ኣብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትእመን ይጽውዓካ።ዝያዳ ክንነግረካ ንኽእል ኢና።