ሽዱሽተ ሕቶታት
1. ሓጢኣት እንታይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ «ኩሉ ሰብ ሓጢኣት ገይሩ እዩ እሞ፡ ክብሪ ኣምላኽ ስኢኑ እዩ» (ሮሜ 3:23)።
ሓጢኣትካ ኣኽብብ :
ሓሶት ምዝራብ ምጽላእ ዘይምእዛዝ
ምጥባር ምጽራፍ ክፉእ ሓሳባት
ምስራቕ ምግጣም ቅንኢ
ካልእ እንታይ ሓጢኣት ገይርካ ኣሎኻ፧ _____, _____, _______።
2. የሱስ ብዛዕባ ሓጢኣተይ እንታይ ገበረ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ «ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ» (1 ቈረንቶስ 15:3)። ስምካ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣእትዎ እሞ ብዓውታ ኣንብባ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ________ ሓጢኣት ሞተ።
ብሓጢኣትካ ትሓዝን ዲኻ፧ እወ ኣይፋል (ሓደ ምረጽ)
3. የሱስ ከመይ ገይሩ እዩ ንልበይ ከንጽሆ ዝኽእል፧
ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ «ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱ ኻብ ኩሉ ሓጢኣት የንጽሃና» (1 ዮሃንስ 1:7)።
ነቲ ባዶ ቦታታት ብሓደ ቃል ምላእ (ምልክት፡ እቲ ቃል ኣብታ ሕጂ ዘንበብካያ ጥቕሲ ኣሎ)፡ የሱስ ንልበይ ብደሙ የንጽሆ። ________።
ሓደ ወተሃደር ጦር ኣብ ጐድኒ የሱስ ወግአ እሞ ______ ወጸ (ዮሃንስ 19:34)። የሱስ ንልብኻ ከንጽሆ ትደሊ ዲኻ፧ እወ ኣይፋል (ሓደ ምረጽ)
4. የሱስ ናብ ልበይ ክመጽእ ከመይ ገይረ እሕትቶ፧
የሱስ ከምዚ ይብል፡ «እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ የንኳሕኩሕ ኣሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑ ኣፍ ደገ እንተኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ፡ ምስኡ ኸኣ ክበልዕ እየ፡ ንሱ ድማ ምሳይ» (ራእይ 3:20)።
መን እዩ ዘንኳሕኩሕ ዘሎ፧ ____
ስለምንታይ እዩ ዘንኳሕኩሕ ዘሎ፧ _______________
የሱስ ናብ ልብኻ ክመጽእ ክትሓትት እንተደሊኻ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ፡ «ጐይታ የሱስ፡ ብዙሕ ክፉእ ነገር ገይረ እየ። የሱስ፡ ምእንቲ ሓጢኣተይ ስለ ዝሞትካኒ የቐንየለይ። በጃኻ ንሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ። በጃኻ ናብ ልበይ እቶ። በጃኻ ንልበይ ብደምካ ኣንጽሃዮ።»
5. ሕጂ እውን ሓጢኣት ክገብር ይኽእል እየ። ብዛዕባ እቲ ዝገብሮ ክፉእ ነገር እንታይ ክገብር እኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና፡ «ሓጢኣትና እንተተናዘዝና፡ ንሱ [የሱስ] እሙንን ጻድቕን እዩ፡ ንሓጢኣትና ኺሓድገልናን ካብ ኩሉ ዓመጻ ኺነጽሃናን» (1 ዮሃንስ 1:9)።
ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ተጠቒምካ፡ ነዘን ባዶ ቦታታት ምላእ፡ ሓጢኣተይ እንተ ___፡ የሱስ ንሓጢኣተይ ______ ክገብር እዩ እሞ ንልበይ ______።
6. ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዘሎኒ ከመይ ገይረ ክፈልጥ እኽእል፧
ስምካ ኣብ ባዶ ቦታታት ዮሃንስ 3:16 ኣእትዎ። ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈቕራ፡ ___ ንሓደ ወዱ ሃበ፡ ምእንቲ ___ ብእኡ ዝኣምን ___ ከይጠፍእ፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ግና ክረክብ።
ዘለኣለማዊ ህይወት መዓስ እዩ ዝህልወካ፧ __________
ኣብ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝኣመንካን ናብ ልብኻ ክመጽእ ከም ዝሓተትካዮን ተስፋ እገብር። ንዕኡ ባህ ከተብሎ እናደለኻ ክትነብር ከም እትደሊ ተስፋ እገብር። ሓንቲ ንእሽቶ መዝሙር ከምዚ ትብል፡ «መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ፡ ኩሉ መዓልቲ ጸሊ፡ እሞ ክትዓቢ፡ ክትዓቢ፡ ክትዓቢ ኢኻ።»





