“ዕዮ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ ፈጽም።”
ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ሓደ መምህር ቤት ትምህርቲ ኻብ ሰሜናዊ ናይጀሪያ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡ “ሓደ መዓልቲ ኣብ ክፍለይ፡ ሓንቲ ወረቐት ወንጌል ኣብ መሬት ረኣኹ። ብብዙሓት ኣእጋር ተረጊጻ ነበረት። ኣልዒለ ኸኣ ነቲ ኣርእስቲ ኣንበብኩዎ፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኪገብረለይ እዩ፧’ ኣምላኽ ነዚ ሕቶ እዚ ንርእሰይ ክሓትት ይሓተኒ ድዩ ነይሩ፧ ነታ ወረቐት ወንጌል ደጋጊመ ኣንበብኩዋ፡ ኣምላኽ ከኣ ብሓቂ ኣብ ህይወተይ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ተገንዘብኩ። ህይወተይ ንእኡ ሃብኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ከንብብ ጀመርኩ። ነታ ዝተጨማደደት ወረቐት ወንጌል ከኣ ንኻልኦት ዘይኣመንቲ ሂበዮም። ሕጂ ኣምላኽ ርኹስ ወረቐት ወንጌል እውን ንሓጥኣን ናብ ክርስቶስ ንምምላስ ኪጥቀመላ ኸም ዚኽእል እፈልጥ። ክሳዕ ክንደይ ሓይልኛታት ምዃነን ስለ ዝረኣኹ፡ ንቡር ኣከፋፋሊ ወረቐት ወንጌል ክኸውን እደሊ።”
ሓደ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝፍለጥ ወንጌላዊ ኸምዚ ኢሉ ገለጾ፡ “ካብቲ ዝሕተም ገጽ ንላዕሊ፡ ንዓብዪ ትእዛዝ ንምፍጻም ዝያዳ ውጽኢታዊ መሳርሒ ኣይፈልጥን።” ኣርታዒ ናይ ሓደ ማሕተም ወረቐት ወንጌል ከኣ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡ “ሰፊሕ ምብታን ጽሑፋት፡ ቤተ ክርስቲያን ንምብታን ወንጌል ዝነበራ ሓደ ኻብቶም ዝበለጹ ኣገባባት እዩ። እቲ ንዝተዛረበ ቓል ብምብታን ወረቐት ወንጌል ዘይድግፍ ወንጌላዊ፡ ነቲ ዝቐለለ ኣገባብ ምትሕግጋዝ ብሓቂ ይስሕቶ ኣሎ።”
ክጅምሩ እንተ ደሊኹም ዕዮ ወንጌላዊ ምግባር፡ ሓደ ኻብቶም ዝቐለሉ መገዲታት ንምጅማር፡ ብምብታን ወረቐት ወንጌል እዩ። ኣብ ጎደናታት ገጽ ንገጽ ከተብትኑ እንተ ተሰኪፍኩም፡ ሰባት ኪረኽብዎም ከም ዝኾኑ ኣብ ዝተኣማመንኩምሉ ቦታ ብምግዳፍ ጀምሩ። ኣብ ዅሉ ደብዳበታትኩምን ኣብ ዅሉ ብፖስታ እትኸፍልዎም ሕሳባትኩምን እውን ኣእትውዎም። ዝኾነ ይኹን ካልእ ኣገልግሎት እንተ ሃሊዩኩም፡ እቲ ልዕል ዝበለ ጥቕሲ፡ ወንጌላዊ ስራሕ ክፋል ናይኡ ኪኸውን ከም ዘለዎ ይነግረና። ብቕልጡፍ ዝተዋህበ ወንጌላዊ ዘይትኾኑ ትኾኑ፡ ግናኸ ብምብታን ወረቐት ወንጌል ዕዮ ወንጌላዊ ኽትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።





