ህይወት ቶሚ
ቶሚ ኣብ መርከብ ጽዕነት ዚነብር ድሙ ነበረ። ሓንቲ ንፋሳዊት ለይቲ እታ መርከብ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተሰባበረት። ኣብ ግዜ ምድሓን ቶሚ ተረስዐ። ድሕሪኡ ሓደ ሰብ ዘከረ፡ ንቶሚ ንምድሓን ድማ ብዙሕ ግዜ ፈተነ። ግናኸ ኵሉ ግዜ ይሃድም ነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ትሕቲ ደርቢ ጠፍአ። እቶም መርከበኛታት ንቶሚ ኬድሕንዎ ስለ ዘይከኣሉ ሓዘኑ። ግናኸ ንሱ ኣዝዩ ተሓጒሱ ነበረ፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ዝፈትዎም ምግባት ኣብ ምሉእ መሬት መርከብ ተደፊኦም ረኺቡ፡ ሓደ እኳ ኸኣ ኬሰጕጎ ኣይነበረን። ቶሚ ንበዓሉ ኣዝዩ ተሓጒሱ—ክሳዕ እታ መርከብ ዝሰጥመት እሞ ንሱ ዝሰጥመ!
ህይወትና
ብዙሓት ሰባት ከም ቶሚ እዮም—ሕጂ ህይወት ይጥቀሙ፡ ግናኸ ብዛዕባ ሓደጋታት መጻኢ ፈጺሞም ኣይሓስቡን። ከምዚ ዲኻ? መጽሓፍ ቅዱስ ሓጢኣትና ንሰማይ ዘይበቅዕ ከም ዚገብረና ይብል፡
ኵሉ በዲሉ ክብሪ ኣምላኽ ድማ ስኢኑ (ሮሜ 3:23)።
እውን ይብል፡
ንሰብ ሓንሳእ ኪመውት ተመዲቡሉ እዩ፡ ድሕሪ እዚ ግና ፍርዲ (እብራውያን 9:27)።
ኵላትና ንሓጢኣትና ንምቕጻዕ ንኸይድ ኣሎና እንተ ዘይኮነስ ሓደ እኳ ኬድሕነና። ከም ቶሚ—ካብቲ ኬድሕነና ዚደሊ ንሃድም ዲና?
ፍቕሪ ኣምላኽ
መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ፍቕሪ ንኣና እዩ። ንሱ ንሓጥኣን—ከም ኣነን ንስኻን ዝበሉ ሰባት—ብሓቂ ከም ዚፈቱ፡ ግናኸ ንሓጢኣት ከም ዚጸልእ ይብል። ከምዚ ይብል፡
ኣምላኽ ንዓለም ከምዚ ገይሩ ፈተዋ፡ ንእንኮ ወዱ ድማ ሃበ፡ ንእኡ ዚኣምን ኵሉ ኸይጠፍእ፡ የግዳስ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረክብ (ዮሃንስ 3:16)።
ክትኣምን ትኽእል ዲኻ? የሱስ ፈጺሙ ሕማቕ ነገር ኣይገበረን፡ ግናኸ ኣምላኽ ንሓጢኣትና ኺመውት ፈቐደሉ! የሱስ ድማ ኣዝዩ ስለ ዝፈተወና፡ ኬድሕነና ብፍቓዱ ኣብ መስቀል ሞተ። ሓደ እኳ ኸምዚ ገይሩ ፈቲውካዶ ይፈልጥ? ብፍቕሩ ርግጸኛ ኽትከውን ትደሊ ዲኻ? ድሕሪኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ግበር፡
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሱ እሙንን ጻድቕን እዩ፡ ንሓጢኣትና ኺሓድገልናን ካብ ኵሉ ዓመጻ ኼንጽሓናን (1 ዮሃንስ 1:9)።
ዜና ኣምላኽ
ኣምላኽ ነቶም እዚ ኺገብሩ ዘይደልዩ ሕማቕ ዜና ኣለዎ፡
እንተ ዘይተነስሕኩም፡ … ክትጠፍኡ ኢኹም (ሉቃስ 13:3)።
ግናኸ ነቶም ዚእዘዙ ጽቡቕ ዜና ኣለዎ፡
ምስኣይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ (ሉቃስ 23:42)።
ኣምላኽ ንወዱ ኸም ዚፈቱ፡ ንስኻ እውን ኽትፈትዎ ይደልየካ። ንኣምላኽ ንየሱስ ምእንቲ ሓጢኣትካ ምቕጻዕ ቀሊል ኣይነበረን፡ ግናኸ ስለ ዝፈትወካን ኬድሕነካ ስለ ዝደለን ገበሮ።
መጻኢኻ
ኣምላኽ ከም ቶሚ—ንዘለኣለም ዝጠፍአ—ኽትከውን ኣይደልየካን። ንሓጢኣትካ ሕጂ ንእኡ ኽትናዘዝን ንየሱስ ኬድሕነካ ኽትሓትትን ይደልየካ። እዚ እንተ ገበርካ፡ ኬድሕነካ እዩ፡ ድሕሪኡ ድማ ንዘለኣለም ናቱ ኽትከውን ኢኻ።





