«ብልሳን ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ደሃይ ዘብጽሕ ኣስራዚ ወይስ ጸወርዋሪ ጸናጽል ኮይነ ኣሎኹ።» (1 ቈረንቶስ 13:1)
ምስታይ፡ ቁማር፡ ምትካኽ፡ ምጽራፍ፡ ፖርኖግራፊን ቍጥዓን ንህይወቱ ይገልጽዋ ነበራ፡ ክሳዕ ምስ መድሓኒ ዝራኸብ። ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ስርሑ ጀመረ፡ ንሓጢኣቱ ኣእሚኑዎ፡ ንዕኡ ንምስዓር ድማ ሓይሊ ሃቦ (ዮሃንስ 16:8)። እቲ ካብ ሓጥእ ናብ ቅዱስ ዝኾነ ምቅይያር ኣብቲ ናይ ሓጥእ ጸሎቱ ተፈጸመ። እቲ ተግባራዊ ምቅይያር ግና ብዙሕ ግዜ ወሰደ። ግናኸ እቲ መንፈስ ኣብ ህይወቱ ዝገብሮ ዝነበረ ይፈትዎ ነበረ፡ ስድራቤቱ’ውን ከምኡ። ንሳቶም ነቲ «ሓድሽ ሰብኦም» ብመንፈሳዊ መገዲ ኪመርሖ ምስ ጀመረ ሰዓብዎ።
ሽዑ ሓደ ነገር ተፈጸመ። ሓንቲ ምሸት ሰበይቱ ብዘይተጸበየቶ ነገር ናብ ገዛ መጸት - ህያብ ልሳናት! ንሳ ድማ እዚ ህያብ እዚ ንዕኡ’ውን ከም ዘድልዮ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ከም ዝኾነ ነገረቶ። ንሱ ተደናገረ። እቲ ዝተቐየረ ህይወቱ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘለዎ እኹል መርኣያ ከም ዝኾነ ነገርኩዎ፡ ንሰበይቱ ግና ልሳናት ጥራይ እዩ ሓቀኛ መርኣያ። መጽሓፍ ቅዱስ ዅሉ ምእመን ብልሳናት ኪዛረብ ከም ዘለዎ ፈጺሙ ከም ዘይብል ነገርኩዎ። ብሓቂ፡ ኣብ ቀዳማይ ቤተ ክርስቲያን ገለ ጥራይ እዮም እዚ ህያብ እዚ ዝነበሮም (1 ቈረንቶስ 12:10)።
ኣብ ህይወቱ ዘሎ ምስክርነት መንፈስ ቅዱስ ተመልከትና። ካብ ሓጢኣት ምምላሱ ጥራይ ሓድሽ ፍጥረት ከም ዝኾነ (2 ቈረንቶስ 5:17)፡ ክርስቶስ ድማ ኣብኡ ከም ዝነብር (ገላትያ 2:20) መርኣያ ነበረ። ሓጢኣት ድሕሪ ሕጂ ኣይገዝአን (ሮሜ 6:14)፡ ምኽንያቱ ደም የሱስ ካብ ሓጢኣት ኣንጺሑዎ ነበረ (1 ዮሃንስ 1:7)። ቃል ኣምላኽ ኪርድኦ (ዮሃንስ 14:26)፡ ኪእዘዞ’ውን (ሮሜ 6:17-19) ክኢሉ ነበረ። እምነቱ ምስ ካልኦት ምምቕቓስ ይፈቱ ነበረ (ዮሃንስ 4:39-42)፡ ንስድራ ቤተ ክርስቲያኑ’ውን ይፈቱ ነበረ (1 ዮሃንስ 3:14)። ኣብ ህይወቱ ድማ ጽኑዕ ፍረ ኣምላኽ ነበረ (ገላትያ 5:16-23)።
ህላዌ መንፈስ ቅዱስ ግልጺ ነበረ። ግናኸ ሰበይቱ ሓቀኛ መርኣያ ከም ዘድልዮ እናበለት ትጽርጽር ነበረት። ኣብ ህይወቱ ዘሎ ዅሉ ምስክርነት መንፈስ ቅዱስ ሓሊፋቶ፡ ምኽንያቱ እቲ ሓድሽ ዝረኸበቶ ፍሉይ ነገር ኣብኡ ኣይነበረን። እዚ ንዓና ከቶ ከይፍጸመና። ኣብ ክንዳኡስ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣዒንትና ኺኸፍተልና፡ ኣብ ህይወት ካልኦት ምእመናን ዝገብሮ ዘሎ ኽንርኢ ንፍቀደሉ። ሽዑ ድማ ብዅሉ ዝርድኦ ቋንቋ (ልሳን) - ቋንቋ ፍቕሪ ኣምላኽ - ነቶም ምእመናን ነተባብዖም።





