ሓንቲ ብሩህን ንፋሳዊትን መዓልቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ነበረት። ንሓያሎ ደቂ ተባዕትዮን ኣዋልድን ኣብ ሑጻ ተቐሚጦም ብዛዕባ የሱስ እዛረብ ነይረ።
ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ነሊ፡ “ድሕነት ማለት እንታይ እዩ? እዚ እኮ እዩ እቲ ሓለውቲ ባሕሪ ዚገብርዎ? የሱስ ከመይ ገይሩ የድሕን?” ኢላ ሓተተኒ።
“መን እዩ የሱስ ከም ዜድሕን ዝነገረኪ?” ኢለ ሓተትኩ።
“ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ነገረኒ። ክድሕን ከም ዘሎኒ በለኒ።”
“ጠፊእኪ ኸም ዝነበርኪ ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ፡ ነሊ። ሕጂ ጠፊእኪ ዲኺ?” ኢለ ሓተትኩ።
“ኣይጠፋእኩን”፡ ብቕልጡፍ መለሰት። “ንሓወይን ንኣደይን ኣብኡ ኽርእዮም እኽእል እየ።”
“ንሓውኺን ንኣደኺን ከይጠፋእኪ ትኸውን፡ ግናኸ ንኣምላኽን ንሰማይን ብሰንኪ ሓጢኣት ጠፊእኪ ኢኺ። ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ትፈልጢ ዲኺ?”
“ሓጢኣት ማለት ሕማቕ ቃላት ክጥቀም ከለኹን ምስ ሓወይ ክዋጋእ ከለኹን ንኣደይ ክእዘዛ ዘይብለይን ክሕሱ ከለኹን እዩ።”
“ነሊ፡ ኣምላኽ ንሓጢኣት ይጸልእ። ሓጢኣት እዩ ካብ ሰማይ ዚኸልኣና። ብሰንኪ ሓጢኣት ጠፊእና ኢና። ግናኸ ኣምላኽ ኣዝዩ ስለ ዝፈተወና፡ ንወዱ የሱስ ንሓጢኣትና ኬድሕነና ለኣኾ። ሓላዊ ባሕሪ ንሰባት መዓስ የድሕን፡ ነሊ?”
“ኺሰጥሙን ንርእሶም ኬድሕኑ ዘይኽእሉን ከለዉ”፡ ብርግጽ በለት።
“ሕጂ፡ ብሓቂ ሓስቢ። የሱስ ኬድሕነና ዜድልየና መዓስ እዩ ንገሪኒ” ኢለ ሓተትኩ።
“ኣይፈልጥን እየ። ኣደይ ፈጺማ ኣይነገረትን።”
“ኣብ ሓጢኣትና ምስ ጠፋእና”፡ ኣነ ገለጽኩ። “የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ኵሉ ነገር ፈጢሩ—እዚ ባሕሪ፡ እዚ ሑጻ፡ እዚ ሰማይ፡ እዞም ቐርኒ ባሕሪ፡ ንኣኺን ንኣነን እውን። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት፡ ካብ ሰማይ ወሪዱ ምእንቲ ሓጢኣትና ኺመውት። ንስኺ ኣዝዩ ንእሽቶ እኳ እንተ ኾንኪ፡ ሓጥእ ኢኺ። ንርእስኺ ኻብ ሓጢኣት ከተድሕኒ ትኽእሊ ዲኺ?”
ብሓዘን መለሰት፡ “ጽቡቕ ኪኸውን እፍትን እየ፡ ግናኸ ንነዊሕ ግዜ ኣይጸንሕን እዩ። ኣይመስለንን።”
“ቕኑዕ ኢኺ”፡ ኣነ ነገርኩዋ። “ሓደ እኳ ኻባና ኣይኽእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኵሉ በዲሉ ክብሪ ኣምላኽ ድማ ስኢኑ’ (ሮሜ 3:23) ይብል። ግናኸ፡ ‘ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ’ (ሮሜ 5:8) እውን ይነግረና። ክንደይ ከም ዚፈትወና!”
እቲ ማዕበል ኪመጽእ ከሎ ኣይፈለጥናዮን ክሳዕ ነቲ ሑጻዊ ኣባይትና ዘርሓቖ። ናብቲ ድሑን ዓቢ ከውሒ ምስ ተንቀሳቐስና፡ “ኣብዚ ጽኑዕ ከውሒ ድሑናት ኢና። የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽኑዕ ከውሒ ይበሃል (ማቴዎስ 7:24-27)። ነሊ፡ ኣብኡ ደው ከም ዘሎኺ ኣረጋግጺ፡ እንተ ዘይኮነስ ድማ ብርግጽ ክትጠፍኢ ኢኺ።”
“ክእመኖ እየ!” ነሊ ተስፋ ሃበት።
ንስኻኸ? ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ትፈልጥ ዲኻ? ምድሓን እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጥ ዲኻ? የሱስ መድሓኒትካ ድዩ? ከም ጽኑዕ ከውሒኻ ትእመኖ ዲኻ? ንሱ እንኮ ናብ ዘለኣለማዊ ድሕነት ዚወስድ መገዲ እዩ።





