መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስቓይ ንኣምላኽ ክብሪ ዝሃቡ ሰባት ዘደንቑ ኣብነታት ይህበና። ንእዮብ ጥራይ ሕሰብ። ንብረቱን ደቁን እውን ምስ ተወስዱሉ እንታይ ገበረ?
«ጐይታ ሃበ: ጐይታ ኸኣ ወሰደ: ስም ጐይታ ብሩኽ ይኹን» በለ (እዮብ 1:21)።እዚ ንዕኡ ቐሊል ከም ዘይነበረ ክንገምት ንኽእል ኢና። ነዚ ቓላት ንምዝራብ ገለ ግዜ ኸም ዝሓተቶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ ስለ ዝገበሮ: ንኣምላኽ ብምትእስሳርን ብህድኣትን ኣኽበሮ—ንዓና ኸኣ ኣብነት ገደፈልና።
እዮብ ኣብ ጭንቀቱ ናብ ኣምላኽ ጠመተ: እዚ ኸኣ ኣህደኦ። «ከለዳውያን ወሲዶም» ኣይበለን: የግዳስ: «ጐይታ ወሲዱ» በለ። ኣብ ልዕሊ ኩነታት ንኣምላኽ ረኣየ።
እዮብ ግና ፍጹም ኣይነበረን። ጸኒሑ: ሰይጣን ብቝስልን ብሕማምን ምስ ወቕዖ: ፈተውቱ ኸኣ ዘይሕያዋይ ቓላት ምስ ተዛረብዎ: ስቓያት ከኣ እናቐጸለ ምስ ከደ: መሪርነት ኣብ ልቡ ተላዕለ። እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ኪነቅፍ ጀመረ።
ብፍላይ ስቓያት ንነዊሕ ግዜ ምስ ዚቕጽልን እቲ ጾር ዘይቀልልን ከሎ: መሪር ከይትኸውን: የግዳስ ንመገዲ ኣምላኽ ምሳና ደጋጊምካ ውሽጣዊ «እወ» ኽትብል ብዙሕ ጸጋ የድሊ።
ሓደጋ ብሃንደበት ምስ ዚመጽእ እውን: ጐይታ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ብሓዘን: ብድንጋርን ብተስፋ ምቑራጽን ከም ዚመጽእ ይርድኦ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኵሉ ግዜ ብኡብኡ ኸነመስግኖን ብኡብኡ ምሉእ ብምሉእ ህዱኣት ክንከውንን ኣይጽበየናን።
ግናኸ ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ መውቃዕቲ መሪር ከይትኸውንን ተስፋ ኸይትቖርጽን ኪሕግዘና ይደሊ! ንሱ ኸነሕልፎም ዝፈቐደልናን ንዓና እውን ዘዳለወልናን ነገራት «እወ» ምስ እንብል ንኣምላኽ ኣዝዩ ክቡር እዩ።





