«ሰላም ኣምላኽ፡ ንኹሉ ምስትውዓል ዚሓልፍ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ኪሕሉ እዩ።» (ፊልጲ 4:7)
እዚ እዩ እቲ ተስፋ። ብመንፈስ ካብቲ እንሓልፎ ኩነታት ንላዕሊ ኽንልዓል ኢና።
ክልተ ኣዕሩኽ ኣብ ስዊዘርላንድ ብሓንሳእ ይጓዓዙ ነበሩ። ሓደ ናብ ሪጊ ደይቡ ኣብቲ ኣብ ርእሲ እምባ ዝነበረ ሆቴል ተቐመጠ። እቲ ሓደ ድማ ኣብ ታሕቲ ተረፈ። ተነጺሎም ከለዉ፡ ሓደ ሓያል ነጐዳ ኣብቲ ሸለልያ ወረደ። እቲ ኣብ ታሕቲ ዝነበረ ዓርኪ፡ ነቲ ኣብ ርእሲ እምባ ዝነበረ ዓርኩ ብቴሌግራፍ፡ «ኣብዚ ታሕቲ ዘሰቅቕ ማዕበል ይነፍስ ኣሎ» በሎ። እቲ መልሲ ኸኣ፡ «ናብዚ ንላዕሊ ንዓ፡ ንሕና ካብ ማዕበል ንላዕሊ ኢና ዘለና» ዝብል ነበረ።
ከምኡ እዩ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ምስጋናን እቲ ምእመን ናብ «ሰላም ኣምላኽ፡ ንኹሉ ምስትውዓል ዚሓልፍ» — እቲ ፈጺሙ ኺረበሽ ዘይክእል ዘይረበሸ ህድኣት — ዚልዓል።
ኣብኡ ኽንዝምር ንኽእል ኢና፤
ማዕበል ኣብ ከባቢይ ይጓዝም ይኸውን፣ ልበይ ትሑት ይኸውን፤ ግን ኣምላኽ ኣብ ከባቢይ እዩ፣ ክፈርህዶ ይኽእል እየ? ኣይ.ኤፍ.





