ግዜ ንምሃብ
ከም ቈልዑ፡ ንልደት ዝያዳ ከም ግዜ ንምርካብ እምበር ንምሃብ ኣይንርእዮን ነበርና። ግናኸ ብዘይካ ሓደ ሰብ ዚውድእን ዚህብን፡ ምንም ምርካብ የለን። እቶም ድኳናትን መሸጣታትን እዚ መልእኽቲ እዚ ኸም እንረክብ የረጋግጹ! ስጦታታት ምልውዋጥ ኣብ ኩሉ ዓለም ዓቢ ባህሊ ምዃኑ ይዝከር – ቀጽልዎ እሞ ጽቡቕ ግዜ ይሃልወኩም! ብዙሓት ሰባት እውን ምስ ምሃብ ኣምላኽን ልደት ክርስቶስ ኣብ ቤት-ልሄምን ሓደ ነገር ከም ዘለዎ ይኣምኑ። እወ፡ እዚ ተኣምራዊ ፍጻሜ እዚ ብርግጽ ኣስታት 2,000 ዓመታት ይገብር ተኸሲቱ። ኣባይትና እውን እዚ ይነግሩና።
ንህያብ ምምራጽ
ንልደትካ ህያባት ምምራጽ ጸገምዶ እዩ? መብዛሕትና ጸገም ከም ዝኾነ ንረኽቦ። ኣዕሩኽትና ዚደልይዎ ወይ ዚሕልፍዎ ኽንህብ ንፍትን። ብህያባቶም ከይሓርቁን ከም ዘይንግደስ ከይሓስቡን ኣይንደልን። እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ህያብ ብጥንቃቐ እተመርጸ እዩ። ንሱ እቲ ኣዝዩ ዘድልየና ዝነበረ ሃበና። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡
ህያብ ኣምላኽ ግና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ (ሮሜ 6:23 KJV)። እቲ ኩላትና እንገብሮ ሓጢኣት ካብ ሰማይ ኬርሕቐና እዩ። ግናኸ ኣምላኽ ካብ ፍርዲ ሓጢኣት ኬድሕነና ይደሊ። ንሱ ዘለኣለማዊ ህይወት – ከም ህያብ – ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ዝያዳ ዘድልየና – ይህበና።
ንህያብ ምቕራብ
ብዙሓት ህያባት ብጥንቃቐን ብጥበብን ይዕሸጉ፡ ምእንቲ ኣዝዮም ማራኺ ኪኾኑ። ኣምላኽ ንህያቡ ክንደይ ማራኺ ኸም ዝገበሮ ኣስተብሂልኩምዶ? ንሱ ዓቢ መልኣኽ ወይ ዘፍርህ መንፈስ ንህያቡ ኼምጽኣልና ኣይሰደደን። ንሱ ንወዱ ሰደደ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ኣብ መብልዕ እንስሳ ዝተወልደ፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ እስራኤል ዝነበረ፡ ኣብ ጐልጎታ ኣብ ቀረባ የሩሳሌም ኣብ መስቀል ዝሞተ። ስለምንታይ?
ንሱ ኣዝዩ ስለ ዝፈተወና እዩ። እዚ ድማ ካልእ ፍቕዲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡
ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ ንበይናዊ ወዱ ሃበ፡ ምእንቲ ዚኣምነሉ ዘበለ ኹሉ ከይጠፍእ፡ ግናኸ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረክብ (ዮሃንስ 3:16)።
ንህያብ ምቕባል
ምግላጹ ዕሽነት እዩ፡ ግናኸ ኣዕሩኽትኹም ንህያባትኩም ኣይኪኸፍሉኹምን እዮም! ንሳቶም ኪቕበልዎምን (ተስፋ ንገብር) ኬመስግኑኹምን እዮም። ንስኻ ንህያባት ከፊልካዮም፡ ንሳቶም ድማ ብነጻ ይረኽብዎም። ብተመሳሳሊ መገዲ ንስኻ ንዘለኣለማዊ ህይወት ኽትከፍል ወይ ምንም ኽትገብር ኣይትኽእልን። ብሃይማኖት፡ ብስርዓታት ወይ ብጽቡቕ ግብሪ ኽትረኽቦ ኣይትኽእልን። ኣምላኽ ዋጋ ከፈሎ – ንሕና ኽንከፍሎ ዘይንኽእል ዋጋ። ኩሉ ኣብ ጐልጎታ ተኸፍለ፡
ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ (1 ቈረንቶስ 15:3)። እዚ ዝዓበየ ህያብ ብነጻ ይቐርበልካ – ንክርስቶስ ሓጢኣትካ ኺሓድገልካን ኬድሕነካን ብምሕታት ጥራይ ተቐበሎ። እዚ ንባዕልኻ ኽትገብሮ ኣለካ። እዚ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ንስኻን ዘሎ ውልቃዊ ጉዳይ እዩ። ዘክር፡ «ዚኣምነሉ ዘበለ ኹሉ» – ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ – ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረክብ እዩ።
ንህያብ ምእባይ
ህያብ ንስኻ ኽትቕበሎ ኸለኻ ጥራይ ናትካ ይኸውን። ኪዕደግ፡ ኪዕሸግን ኪስደድን ይኽእል እዩ፡ ግናኸ እንተዘይተቐቢልካዮ፡ ኣብ ክምቢ ዘይተጠለቡ ህያባት ኪቕመጥ ወይ ናብ ሰዳዲ ኺምለስ እዩ። ህያብ ኣምላኽ ሕጂ ይርከበልካ – እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ህያብ – እቲ ንእዛ ህይወትን ንእትመጽእን ኣዝዩ ዘድልየካ ነገር። ግናኸ ናትካ ኽትገብሮ እንተደሊኻ፡ ንክርስቶስ ከም ውልቃዊ መድሓኒትካ ብምውካል ኽትጠልቦ ኣለካ። እንተዘይደሊኻዮ ጥራይ ኣይከውንን። ሕጂ ኸም ዚኸውን ግበሮ። ኣድላይነትካ ኣምበል። ብእኡ እመን። ብእምነት ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ናብ ልብኻን ህይወትካን ተቐበሎ፡ እቲ ዝበለጸ ህያብ ድማ ኽትረክብ ኢኻ! ብኸመይ ከም ዝኾነ ኽንነግረካ ንኽእል ኢና።





