«ንእግዚኣብሔር ባህ ዜብሎ እንታይ ምዃኑ ፈትኑ ፍለጡ።» (ኤፌሶን 5:10) እቲ ብስራት ወንጌል፡ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ዝኸፍአ መዓልትታትና ኸም ዚርከብ እዩ። እዚ ሓቂ እዩ፡ ምኽንያቱ ክርስቶስ ንኹሉ ናይ ፍትሒ ሕቶታት ኣምላኽ ብምሉኡ ኣርዊዩ፡ ኣብ መስቀል ኣብ ክንዳና ምስ ሞተ ኸኣ ንኹሉ ናይ እተሰብረ ሕጊ መቕጻዕቲ ብምሉኡ ከፊሉ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጳውሎስ፡ «ንኹሉ ሓጢኣትና ይቕረ ኢሉልና» (ቈሎሴ 2:13, NIV) ኺብል ኽኢሉ እዩ።
እዚ ማለት ኣምላኽ እንእዘዝ ወይ ዘይንእዘዝ ምዃንና ኣይግደስን ማለት ድዩ? ፈጺሙ ኣይፋሉን። ቅዱስ ጽሑፍ ብሓጢኣትና ንመንፈስ ቅዱስ ከም እነጕሂ ይዛረብ (ኤፌሶን 4:30)። ጳውሎስ ከኣ «ብኹሉ መገዲ [ንኣምላኽ] ባህ ኸነብሎ» (ቈሎሴ 1:10, NIV) ኢሉ ጸለየ። ንሱ ብዛዕባ ተግባራትና ኸም ዚግደስን ንንጹር ሓጢኣት ንምንስሓ እንተ ኣቢና ኸኣ ከም ዚቐጽዓናን ንጹር እዩ። ግን ኣምላኽ ድሕሪ ሕጂ ፈራዲና ኣይኮነን። ብክርስቶስ ኣቦና ሰማያዊ እዩ፡ ዚቐጽዓና ኸኣ ብፍቕሪ ጥራይ እዩ፡ ንጥቕምና ጥራይ እዩ።
በረኸት ኣምላኽ ኣብ ተግባራትና ዝምርኮስ እንተ ዝኸውን፡ ኣዝዩ ውሑድ ምኾነ። እቲ ዝበለጸ ተግባራትና እውን ብሓጢኣት እተመልአ እዩ — ብዝተፈላለየ ደረጃ ናይ ርኹስ ምኽንያታትን ብዙሕ ዘይፍጹም ተግባራትን። ንሕና ኵሉ ሳዕ፡ ብሓደ ደረጃ፡ ንርእስና ንጥምት፡ ንጎድናውያንና ንሕሉ፡ ንትዕቢትና ንከላኸል። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ሓጢኣት ስርዓት ፍጹም ምብልሻው ከም ዘይንርዳእ ስለ ዝኾነን ንኹሉ እንገብሮ ነገር ስለ ዜበላሽዎን፡ ብምእዛዝና በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ንሓስብ። ኢየሱስ ንኹሉ ሓጢኣትና መቕጻዕቲ ኸም ዝኸፈለ ብምሉኡ ስለ ዘይንርድኦ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ባህ ንምባል ዝነበረና ትምኒት እውን ከይተረፈ ኽንፍጽም ምስ ፈሸልና፡ ተስፋ በረኸት ኣምላኽ ንቖርጽ።
ዝኸፍአ መዓልትታትካ ጸጋ ኣምላኽ ካብ ዚበጽሖም ክሳዕ ዘይትኸውን ክሳዕ ክንድኡ ኣይኸፍእን እዩ። ዝበለጸ መዓልትታትካ ኸኣ ጸጋ ኣምላኽ ካብ ዘድልየካ ክሳዕ ዘይትኸውን ክሳዕ ክንድኡ ኣይጽብቕን እዩ።





