ሽዑ ድማ፡ «ወይለይ! ኣነ ርኹስ ከንፈር ዘለዎ ሰብኣይ እየ፡ ኣብ ማእከል ርኹስ ከንፈር ዘለዎ ህዝቢ ድማ እነብር እየ እሞ፡ ጠፊአ እየ፡ ከመይሲ ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየኦ» በልኩ (ኢሳይያስ 6:5)።
ልዑል ኣረኣእያ ኣምላኽ ንሓጢኣት ግልጺ ኣረኣእያን ንባዕልኻ ድማ ናይ ሓቂ ኣረኣእያን የምጽእ። ዝተሓተ ኣረኣእያ ኣምላኽ ንሓጢኣት ዝተሓተ ሓልዮትን ንባዕልኻ ድማ ዝተጋነነ ኣረኣእያን የምጽእ። ኢሳይያስ ንጐይታ ብዘይነገር ክብሩ ኽሳዕ ዚርእዮ፡ ብውልቃዊ ቅድስናኡ ረኺቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ምስ ቅዱስ ኣምላኽ ዝገበሮ ርክብ ንባዕሉ ዘይቅዱስ ምዃኑን ንሓጢኣት ናይቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩን ብቕጽበትን ብዕምቈትን ኣፍለጠሉ። ንኣምላኽ ምምላኽን ከይተቐየሩ ምጽናሕን ዘይከኣል እዩ። እቲ ብሓቂ ከም ዝኣምለኽናዮ ዚሕብር ዝበለጸ ምልክት ዝተቐየረ ልቢ እዩ።
ንሓጢኣተኛ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ኢና ተሰማሚዕና፡ ብዘይቅዱስ ኣነባብራ ረኺብናዶ? ካብ ደረጃ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢና ወሪድና፡ ሓደ ሰብ ከምቲ ኣምላኽ ዝሓሰቦ ኺነብር ከሎ፡ ነቲ ሰብ «መንፈሳዊ» ኢልና ንሓስቦ? ንውልቃዊ ቅድስናና ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ጥራይ እንተ ኣነጻጺርና፡ ቅዱስ ህይወት ንነብር ከም ዘሎና ብጌጋ ኽንኣምን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ምስ ቅዱስ ኣምላኽ ክንራኸብ ከሎና፡ እንኮ ምላሽና፡ «ወይለይ!» ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቲ ዝተረፈ ዓለምን ግልጺ ፍልልይ ክሳዕ ዘይተረድኡ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ንየሱስ ኪኣምኑ ኣይክትሪኦምን ኢኻ። ኣምላኽ ከምቲ ንሱ ቅዱስ ዝኾነ፡ ኪቕድሰካ ይደሊ። ኣምላኽ ምስኣኻ ኺዋሳእ ከሎ፡ ኣብ ህይወትካ ፍጹም ካብቲ ዓለም ኪፈጥሮ ዚኽእል ዝተፈልየ ዓብዪ ደረጃ ንጽህና ኺህሉ እዩ። ዓለም፡ ነቶም ዝቐረቡኻ ሓዊስካ፡ ብቕዱስ ህይወትካ ንቅዱስ ኣምላኽ ከም እተገልግል ኪእመኑ እዮም።
ኤች.ቢ.ኣር.ቢ.





