ኣምላኽ የቕርበልካ …
እንቋዕ ደሓን መጻእኩም
“ናባይ ዝመጽእ ዘበለ ፈጺመ ኣይድርብዮን” (ዮሃንስ 6:37)።
መድሓኒ
“ንዓኻትኩም … መድሓኒ ተወሊዱልኩም ኣሎ፣ ንሱ ክርስቶስ እግዚኣብሔር እዩ” (ሉቃስ 2:11)። “የሱስ ክርስቶስ … ኣምላኽ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ … ብኻልእ ድማ ምድሓን የልቦን፣ ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ሰባት ዝተዋህበ ካልእ ስም የልቦን ብእኡ ኽንድሕን ዘሎና” (ግብሪ ሃዋርያት 4:10,12)። “እዚ እሙን ቃል እዩ ንኹሉ ምቕባል ዝግባእ፣ ክርስቶስ የሱስ ንሓጢኣተኛታት ኬድሕን ናብ ዓለም መጸ” (1 ጢሞቴዎስ 1:15)።
ምሕረት ሓጢኣት
“ብእዚ ሰብኣይ እዚ (የሱስ ክርስቶስ) ምሕረት ሓጢኣት ከምዝስበኸልኩም ፍለጡ … ብእኡ ድማ ዝኣምን ዘበለ ኩሉ ካብ ኩሉ ነገር ይጸድቕ” (ግብሪ ሃዋርያት 13:38-39)።
ዘለኣለማዊ ህይወት
“ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረበዳ ንተመን ዘልዓለ፣ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪልዓል ኣለዎ፣ ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ኸይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ። ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለዝፈተዋ፣ ንበይኑ ዝወለዶ ወዱ ሃበ፣ ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ኸይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ” (ዮሃንስ 3:14-16)።
ዕረፍቲ ልቢ
“ንዓይ ንዓኹም፣ ኩላትኩም ዝጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፣ ኣነ ዕረፍቲ ክህበኩም” (ማቴዎስ 11:28)።
ምኽርን መሪሕነትን
“ኣነ ኽምህረካን ክነግረካን እየ እቲ ኽትከዶ ዘሎካ መገዲ፤ ብዓይነይ ክመርሓካ እየ” (መዝሙር 32:8)።
ሰማያዊ ቤት
“ልብኹም ኣይተጨነቕ፤ ብኣምላኽ እመኑ፣ ብኣነ እውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሓት ኣባይቲ ኣለዋ፤ ከምኡ እንተዘይኮይኑ፣ ምነገርኩኹም። ንዓኹም ቦታ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ። እንተኸድኩን ቦታ እንተኣዳልወልኩምን፣ እንደገና ኽመጽእ እየ፣ ንዓኻትኩም ድማ ናባይ ክቕበለኩም እየ፤ ኣነ ኣብ ዘሎኹዎ፣ ንስኻትኩም እውን ኣብኡ ኽትኮኑ ኢኹም” (ዮሃንስ 14:1-3)።
ዘለኣለማዊ ክብሪ
“ኣምላኽ … ብወንጌልና ጸዊዑኩም ኣሎ፣ ንኽብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንምርካብ” (2 ተሰሎንቄ 2:13-14)። “ኣምላኽ ኩሉ ጸጋ … ብክርስቶስ የሱስ ናብ ዘለኣለማዊ ክብሩ ጸዊዑና ኣሎ” (1 ጴጥሮስ 5:10)።
ክትቕበል ዲኻ?
ሓጢኣትካ እመን
“ጻድቕ የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን … ጽቡቕ ዝገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን” (ሮሜ 3:10,12)። “ኩላትና ከም ኣባጊዕ ጠፊእና፣ ነፍሲ ወከፍ ናብ ገዛእ መገዱ ገጹ፣ እግዚኣብሔር ድማ ንዓመጽ ኩላትና ኣብኡ ኣንበረ” (ኢሳይያስ 53:6)።
ተነስሕን እመን
“ስለዚ ተነስሑን ተመለሱን፣ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰስ” (ግብሪ ሃዋርያት 3:19)። “ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እመን፣ ክትድሕን ኢኻ” (ግብሪ ሃዋርያት 16:31)። “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ ቃለይ ዝሰምዕን ብዝለኣኸኒ ዝኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፣ ናብ ፍርዲ ድማ ኣይመጽእን፣ ግና ካብ ሞት ናብ ህይወት ሓሊፉ ኣሎ” (ዮሃንስ 5:24)።





