ሰማይ ወይ ገሃነም፧
ሓደ ሰብ «ናብ ገሃነም ኪድ!» ወይ «ገሃነም፣ ኣይፋሉን!» ወይ «ገሃነም፣ እወ!» ኢሉ ኺጭድር ሰሚዕካ ትፈልጥዶ፧ ኣነ ብዙሕ ግዜ ሰሚዐዮ እየ። ግን ክንደይ ሰብ እዩ ነዚ ገሃነም ዝበሃል ቦታ ሓቀኛ ትርጉሙ ዝርድኦ፧ ብዛዕባኡ –ንኣኡ ምኻድ እንታይ ማለት ምዃኑ –ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧
ድሕሪ 15 ካብ ብጾቱ ወተሃደራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ምቕታሎም፣ ሓደ ወተሃደር «ናብ ሰማይ ክኸዱ እዮም፤ ናብ ገሃነም ከይዶም እዮም» በለ። ሰባት ብዛዕባ ሰማይን ገሃነምን ዝተፈላለየ ርእይቶታት ኣለዎም፣ ግን ኣምላኽ ብዛዕባኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሎ እዩ ብሓቂ ኣገዳሲ።
ገሃነም ከመይ እያ፧
ገሃነም ኣምላኽ ዘይብላ፣ ኩሉ ምቾትን በረኸትን ዘይብላ ቦታ እያ። ማቴዎስ 22:13ን 25:30ን «ወጻኢ ጸልማት»፣ «ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን» ከም ዘለዋ ይገልጽዋ። ራእይ 20:10 ከኣ «እቲ ዘስሓቶም ድያብሎስ ናብቲ ሓውን ዲንን ዝነበሮ ቊልዒ ተደርበየ … ንዘለኣለም ድማ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።» ይብል።
ገሃነም ንሰባት ዘይኮነስ፣ ንድያብሎስን ንኣጋንንቱን እያ ተሰሪሓ (ማቴዎስ 25:41)። ይኹን እምበር፣ ኩሎም ነቲ ናይ ኣምላኽ ምድሓንን ይቕረ ምባልን ሓሳብ ዝነጽጉ ኣብኡ ክውድኡ እዮም። ኣምላኽ ንኸስግኣና ጥራይ ከም ዘይኮነስ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና፤ ንገሃነም ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ንኸይንርሕቕ የጠንቅቐና ኣሎ።
መጽሓፍ ቅዱስ ይብል፡
ንሰብ ሓንሳብ ምሟት፣ ድሕሪኡ ድማ ፍርዲ ተመዲቡሉ እዩ (እብራውያን 9:27)።
ኣምላኽ «ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ መዲቡ ኣሎ» (ግብሪ ሃዋርያት 17:31)።
ብዛዕባ ሰማይከ፧
ኣምላኽ ኣምላኽ ፍርዲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣምላኽ ፍቕሪ እውን እዩ። ንገሃነም ንምምላጥ መገዲ ኣዳልዩ ኣሎ። ነቶም መገዲ ምድሓኑ ዝቕበሉ፣ ሰማይ ዝበሃል ጽቡቕ ቦታ ኣዳልዩሎም ኣሎ – ቦታ ሰላምን ሓጎስን። ሓጢኣት፣ ሞት፣ ሕማም፣ ተስፋ ምቑራጽ፣ ምሕማቕ፣ በይናውነት፣ ወዘተ. ብፍጹም የብሉን። ኣብ ክንዲ ዘለኣለማዊ ፍርዲ፣ ምስ ኣምላኽ ባዕሉን የሱስ ክርስቶስን ዘለኣለማዊ ክብሪ ዘለዎ ቦታ እዩ (ራእይ 4–5፤ 21:4–27፤ 22:1–5)። ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ ብምእማን ጥራይ ኣብ ሰማይ ዘሎ መጻኢኻ ከተውሕስ ትኽእል ኢኻ።
ንዓኻ እዩ ዝምልከት
ንሰማይ ክትበቅዕ ክንዲ ዝኸውን ጽቡቕ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ይብል፡
ኩሉ ሰብ ሓጢኣት ገይሩ እዩ፣ ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ይጎድሎ (ሮሜ 3:23)።
ናብ ሰማይ ብግብርኻ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ምኽንያቱ ኤፌሶን 2:8–9 ይብል፡
ህያብ ኣምላኽ እዩ፣ ብግብሪ ኣይኮነን፣ ሓደ እኳ ምእንቲ ከይመካሕ።
ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ዝኸይድ መሰል የብሉን፤ ኩላትና ሓጥኣን ስለ ዝኾና ገሃነም ይግብኣና።
ግን ናይ ኣምላኽ መገዲ ምድሓን የሱስ ክርስቶስ፣ ወዱ እዩ።
ክርስቶስ ንሓጢኣት ብዙሓት ንምጽዋር ሓንሳብ ተወፈየ (እብራውያን 9:28)።
(እንተ ኣሚንካ ንዓኻ እውን)
ኣምላኽ ንፍቕሩ ናባና የርኢ፣ ገና ሓጥኣን ከለና ክርስቶስ ምእንታና ሞተ (ሮሜ 5:8)። ብወዲ ዝኣምን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣለዎ፤ ብወዲ ዘይኣምን ግን ህይወት ኣይርእን፣ ግን ቊጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር (ዮሃንስ 3:36)።
ቅኑዕ ምርጫ ግበር!
እባ ነቲ ሕጂ ዘንበብካዮ ሕሰብ እሞ ናብ ሰማይ ዘብጽሕ እንኮ መገዲ ምረጽ። የሱስ በለ፡
ኣነ እየ መገዲ፣ ሓቅን ህይወትን። ሓደ እኳ ብዘይ ብኣይ ናብ ኣቦ (ኣምላኽ) ኣይመጽእን (ዮሃንስ 14:6)።
— ሲ. ዳርሊንግ





