«ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰሉ፡ ብምሕዳስ ኣእምሮኹም ግና ተለወጡ፡ እቲ ጽቡቕን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩ።» (ሮሜ 12:2)
ኣብ ሮሜ 12 ቁጽሪ 1፡ ኣካላትና ንኣምላኽ ህያው መስዋእቲ ጌርና ኸነቕርብ ከም ዝተነግረና ንርኢ። ሓደ ዝለዓል ሕቶ፡ በየናይ ምኽንያት ኢና ነዚ ኽንገብሮ ዘሎና ዝብል እዩ። እቲ መልሲ፡ ብምኽንያት ምሕረት ኣምላኽ ዝመጽእ ምስጋና እዩ፡ እዚ ድማ ኣብቶም ቀዳሞት ሸሞንተ ምዕራፋት ተገሊጹ ኣሎ። ምምላኽ ብሕጋዊ ጸቕጢ ኣይመጽእን፡ የግዳስ ንፍቕሪ ኣምላኽ ዝወሃብ መልሲ እዩ፡ ዮሃንስ ብግቡእ ከም ዝጸሓፈ፡
ንሕና ንፈቱ፡ ንሱ ቅድም ስለ ዝፈተወና። (1 ዮሃንስ 4:19)
ወዲ ኣምላኽ ንፍቕሩ ንኣቦኡ ብምእዛዝ ናብ ጎልጎታ ብምኻድ ኣርኣየ (ዮሃንስ 14:31 ተመልከት)። ፍቕሩ ንነፍሲ ወከፍና ድማ «ርእሱ ምእንታና ሃበ» (ኤፌሶን 5:2) ብምባል ተራእየ። ሕጂ ድማ ንሕና ንኣምላኽ ክንመስልን ፍቕርና ኸምቲ ጐይታ የሱስ ዝገበሮ፡ ብመስዋእታዊ ምሃብ ክንርኢን ተጸዊዕና ኣለና (ኤፌሶን 5:1-2)!
ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ንፍቕሩ ምላሽ ይናፍቕ። ጐይታ የሱስ ብቕዱስ ቅንኢ ንዓኻ ዝበለጸ ፍቕሪ ክትህቦ ይደሊ ኣሎ (ራእይ 2:4)። ንርእስኻ ብዘይ ገደብ ንዕኡ ክትህብን ብምምላኽ ንዕኡ ክትነብርን ይደሊ።
እዚ ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ብኸመይ ብተግባር ከም ዝረአን፡ ነፍሲ ወከፍና ንኣምላኽ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎናን ዝብል ሕቶ የልዕል። ነዚ ንምፍላጥ፡ «እቲ ጽቡቕን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ ንዓና እንታይ ምዃኑ» ክንምርምር ኣሎና። እዚ ድማ ምውካል የድልዮ።
ጳውሎስ ኣብዚ ኣብ ሮሜ 12:2፡ ኣብ ኣምላኽ ተወኪልና ንኽንነብር ዝሕግዙና ክልተ ነገራት ይጠቅስ፦
- ንዓለም ክንምሰል የብልናን።
- ሓሳባትና ምስ ሓሳባት ኣምላኽ ብምስምማዕ ክንልወጥ ኣሎና።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ጐይታ የሱስ ዝነበረ ምውካላዊ ህይወት ብዝርዝር ቅድሚ ምእታውና፡ እቶም ቅድም ዝተጠቕሱ ክልተ ነጥብታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም እነውዕሎም ንሕተት።
ጳውሎስ ብቓል «ዓለም» እንታይ ማለት እዩ፧ ነዛ «ዓለም» እዚኣ እንታይ እዩ ዝገልጻ፡ ንደቂ ኣምላኽከ ስለምንታይ ኣዝያ ኣደገኛ ዝኾነት፧ እቲ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ቓላት እንታይ ማለት እዩ፧
ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍቀሩ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተወ፡ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የልቦን። (1 ዮሃንስ 2:15)
ኣብ ዝቕጽሉ መንፈሳዊ ጽሑፋት፡ ሓጺር ጉዕዞ ብታሪኽ ብሉይ ኪዳን፡ እዚ ዛዕባ እዚ ንዓና ሎሚ ስለምንታይ ኣዝዩ መሰረታዊ ምዃኑ ንምርዳእ ክሕግዘና እዩ።
ሕቶታት
ህይወትካ ንኣምላኽ ከም «ህያው መስዋእቲ» ምቕራብ ንዓኻ እንታይ ማለት እዩ፧ ምምላኽ ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ብተግባር ይረአ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽትገብር ዘተባብዓካ እንታይ እዩ፧





