ሕቶ: ሓደ ክርስትያን ንሓደ ክፋል ቊርባን እንተ ዘይተሳተፈ ቅቡል ድዩ? እንጌራ ተዋሂቡ ጽዋእ ቕድሚ ምምጽኡ እንተ ኣተወ ክርስትያን እንታይ ኪገብር ኣለዎ? እንጌራ ኺሓትት ኣለዎ ወይስ እንጌራ እንተ ዘይተሳተፈ ብጽዋእ ኪቕጽል ኣለዎ?
መልሲ: “ጐይታ የሱስ ብዝተዋሕጠላ ለይቲ እንጌራ ወሰደ” (1 ቈረንቶስ 11፡23 NKJV)። ናብ መስቀል ኪኸይድ ከሎ እንታይ ከም ዝጽበዮ ይፈልጥ ነበረ፣ ግናኸ ብርእሱ ኺሕሰብ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ብደቀ መዛሙርቱ ይሓስብ ነበረ። ጐይታ ኸኣ ኪጨነቑ ምዃኖም ፈሊጡ፡ “ልብኹም ኣይጨነቕ፣ ብኣምላኽ እመኑ፣ ብኣይ እውን እመኑ” (ዮሃንስ 14፡1) በሎም። ካብ ብሉይ ኪዳን እንታይ ከም ዝኸውን ጠቐሰ፡ “ንጓሳ ኽወቕዖ እየ፣ ኣባጊዕ እቲ መጓሰ ኸኣ ኪብተና እየን” (ማቴዎስ 26፡31፣ ዘካርያስ 13፡7 ተመልከት)። ኣብዚ ኵሉ ንዓና እውን ዜጠቓልል ዓቢ ሓልዮት ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ንርኢ። ነዚ መዘከርታ ድራር ብምምስራት ፍቕሩ ኣርኣየና፣ ከመይሲ ንሱ ኽንዝክሮ ደልዩ ነበረ። ጐይታ ኸኣ ንሕና ረስዓይ ህዝቢ ምዃንና ይፈልጥ፣ ንሕና ኸኣ ንጽቡቕነቱ ብዙሕ ግዜ ብቐሊሉ ንወስዶ።
ኣብ ብሉይ ኪዳን ንህዝቡ ንየሆዋ ኣምላኾም ከይርስዑ፣ ግናኸ ንሱ መን ምዃኑን ንሳቶም ዝገበረሎም ኵሉ ዓበይቲ ተኣምራት ከም ዝዝክሩን ኣጠንቀቖም (ዘዳግም 8፡18-19)። ንመዘከርታኡ ምግፋፍ ወይስ ብፍርቂ ምግባር ንሕማቕ ኩነታት ልቢ ጥራይ እዩ ዜርኢ። “እንተ ፈቶኹምኒ፡ ትእዛዛተይ ሓልዉ” (ዮሃንስ 14፡15)። ንዕኡ ብምብላዕ እንጌራን ብምስታይ ወይንን ምዝካርና ንሱ ዝደልዮ ጥራይ ኣይኮነን—ትእዛዝ እዩ፡ “ንመዘከርታይ እዚ ግበሩ” (ሉቃስ 22፡19)። ብዘይካዚ፡ ልቢ ሰብ ኣብቲ መዝገቡ ዘሎ እዩ፡ “መዝገብኩም ኣብ ዘለዎ፡ ልብኹምውን ኣብኡ ኪኸውን እዩ” (12፡34)።
ጐይታ በለ፡ “ክልተ ወይ ሰለስተ ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፡ ኣነ ኣብ ማእከሎም ኣሎኹ” (ማቴዎስ 18፡20)። ምሳኡ ኽንከውን፣ ኣብ ዘለዎ ኽንከውን፣ ንሱ ኺገብሮ ዝደልየና ኽንገብር፣ ንዕኡ ኽንዝክር ንደሊ ዲና? ወይስ ንዓና ፍሉይ ኣገዳስነት የብሉን? ብሓቂ ንሓስብ ዲና?
ኣብ ህይወት ደቅሰብ ኵሉ ብስርዓት እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኾይንና ኽንዝክሮ ንቡር እዩ። ኣብኡ ኽንከውን ኣሎና፣ ንዕኡ ኽንሰግድ ልብና ተዳልዩ፣ ዚንገር ነገር እንተ ኣሎ ንምርኣይ ልብና ፈቲሽና። ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብህድኣት ብኣኽብሮት ክንከውን ኣሎና፣ ንዕኡ ዚግብኦ ኽንህቦ ድማ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና።
በዚ መሰረት እዚ፡ ነዚ ጐይታ ህይወቱ ዝሰውኣልና ዘደንቕ መዘከርታ ድራር እንተ ዘይተሳተፍና፡ ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ንርድእ—ምናልባት ምስ ጐይታ ዘይሰማማዕ ኩነታት ልቢ ዜርኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ብሰንኪ ሕማም ወይስ ኣብ መገዲ ብዝገጠሞ ሓደጋ ኺሳተፍ ወይስ ብግዜኡ ኺኣቱ ዘይክእልሉ ኩነታት ከም ዘሎ ንርድእ። ስለዚ፡ ኣዝዩ ጽንኩር ኣቋም ኪንወስድ የብልናን። ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ንምንታይ ነቲ መዘከርታ ከም ዝገደፎ ወይስ ከም ዘምሰየ ልቡ ኺፍትሽ ኣለዎ። ዘይምሕላው ወይስ ዘይምግምጋም ኣገዳስነትን ቅድሚያን ድዩ ነይሩ?
ምብላዕን ምስታይን መርኣያ እዩ ናይ ሓድነትን ቊርባንን። ምምሳይን፡ ጽዋእ ምስታይን ድሕሪኡ እንጌራ ምብላዕን ካብቲ ጐይታ ዝሃቦ ስርዓት ወጻኢ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ሓድነት ምስኡ ከም ዘይብልካ ዜርኢ እዩ። ብዘይካዚ፡ “ኣምላኽ ኣምላኽ ግርምጥልጥል ዘይኮነስ፡ ናይ ሰላም እዩ” (1 ቈረንቶስ 14፡33)። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ እንተ ኣምሰየ፡ ጽዋእ ኪሓልፍ ከሎ እንጌራ እንተ ዘይተሳተፈ፡ እንጌራ እንደገና ኺወሃቦ ምሕታት ዘይስሩዕን ግርምጥልጥልን ኪኸውን እዩ። ንኣምልኾን ንምዝካሩን ዜረብሽ፡ ዜዕንቅፍ፡ ከምኡውን ዕንቅፋት ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኸይተሳተፍካ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ብግዜኡ ምምጻእ ይሓይሽ ንብል።
መልሲ ተዋሂቡ






