ሕማቕ ነገር ምስ ገበርካ—ንወለድኻ ዘይምእዛዝ፡ ምብራቕ፡ ምጥባር፡ ምሕሳው፡ ወዘተ—እንታይ ይገብረካ? ትቅጻዕ ዲኻ? ሓደ እኳ ምእንቲ ዝገበርካዮ ቅጽዓት ወሲዱልካዶ ይፈልጥ?
ብዙሓት፡ ብዙሓት ዓመታት ይገብር ህይወት ካብ ሕጂ ፍሉይ ነበረ። ሕጻናት ንሕማቕ ነገራት ብምግባሮም፡ እኳ ደኣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እውን፡ ብመውጋእቲ ይቕጽዑ ነበሩ! ኣብ ሓንቲ ኻብዘን ኣብያተ ትምህርቲ እዚኣተን እቶም ተማሃሮ ኣዝዮም ሕማቓት ስለ ዝነበሩ፡ ሓያሎ መምህራን ንምምሃሮም ተስፋ ቖሪጾም ነበሩ። ድሕሪኡ ሓድሽ መምህር ናብዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ መጸ።
እቲ ቐዳማይ ዝገበሮ ነገር ንተማሃሮ ንርእሶም ንክፍሊኦም ሕግታት፡ ምስቲ ንምጥሓስ እዚ ሕግታት እዚ ዚውሃብ ቅጽዓት፡ ኪገብሩ ምሕታት ነበረ። ነቲ ዕዮ ብቑምነገር ከም ዝወሰድዎን ንርእሶም ድማ ኣዝዮም ጽኑዓት ከም ዝነበሩን ተገረመ።
ገለ ኻብ ሕግታት እቶም ተማሃሮ፡ “ኣይትስረቕ፤ ኣይትረግም፤ ኣይትዋጋእ …” እቲ ቅጽዓት ንነፍሲ ወከፍ ሕጊ ሓደ እዩ ነበረ፡ “ዓሰርተ መውጋእቲ (ምውጋእ) ኣብ ድሕሪት ብዘይ ካባ። ዘይተፈልየ የልቦን።”
እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጽቡቕ ሓለፈት። ግናኸ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ናይ ሓደ ሰብ ምሳሕ ተሰርቐ። ድሕሪ ምድላይ፡ እቲ መምህር እቲ ዝነኣሰ፡ ዝጸበበ ተማሃራይ እቲ ሰራቒ ምዃኑ ፈለጠ። እቲ ቅጽዓት ንምስራቕ ዓሰርተ መውጋእቲ ነበረ፡ ከም ሕግታት እቶም ተማሃሮ። እቲ ክፍሊ እቲ መምህር ነቲ በዳሊ ንእሽቶ ወዲ ኺወግኦ ኺዳሎ ኸሎ ይርኢ ነበረ። ግናኸ እቲ ወዲ ካባኡ ኺውጽእ ኣይደለን።
ኣብ መወዳእታ እቲ መምህር ኬውጽኦ ገበሮ፡ ኣብ ትሕቲኡ ድማ ሸሚዝ ከም ዘይብሉ ረኸበ! ኵሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ እቲ ወዲ ክንደይ ጸቢብ ምዃኑ ረኣየ። ንምውጋእ ኣዝዩ ድኹምን ጸቢብን ኪመስል ነበረ። እናበኸየ፡ ስድራቤቱ ክንደይ ድኻ ምዃኖም ነገሮም።
ዛንታ እቲ ወዲ ንመማህርቱ ኣሕዘኖም። ግናኸ ብዛዕባ እቲ ቅጽዓት እንታይ? ሓደ ሕጊ ተጣሒሱ ነበረ፡ ቅጽዓት ድማ ኪውሃብ ኣለዎ።
ብድንገት እቲ ዓቢ ወዲ፡ እቲ ምሳሑ ዝተሰርቐ፡ ናብ ቅድሚ መጸ። ምእንቲ እቲ ንእሽቶ ወዲ ንምውጋእ ኪወስድ ከም ዝደለየ በለ። ሕሰብ—እቲ ምሳሑ ዝተወስደ ወዲ ሕጂ ምእንቲ እቲ ዝሰረቖ ቅጽዓት ኪቕበል ይደሊ ነበረ!
እቲ ክፍሊ ሓደ ተካኢ ምእንቲ እቲ ሕጊ ዝጣሓሰ ኺወግእ ከም ዚኽእል ተሰማምዑ። ድሕሪ ምውጋእ፡ ኵሉ ሰብ ይበኪ ነበረ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ድማ ነቲ ዓቢ፡ “ንመውጋእተይ ወሲድካለይ! ንዘለኣለም ከመስግነካ እየ!” በሎ።
ደቂ ተባዕትዮን ኣዋልድን፡ ሓደ እኳ ምእንቲ ኵሉ እቲ ዝገበርኩምዎ ሕማቕ ነገር ከም ዝተሰቐለ ትፈልጡ ዲኹም? የሱስ ክርስቶስ ከም ተካኢኹም ኣብ መስቀል ሞተ። ኣምላኽ ምእንቲ ሓጢኣትኩም ቐጽዖ። ንኣምላኽ ሓጥእ ምዃንኩም እንተ ተናዘዝኩም፡ ብሰንኪ ሞት የሱስ ኪሓድገልኩም እዩ። ድሕሪኡ ንሰማይ ድሉዋት ክትከውን ኢኹም!
ምእንቲ በደልና ቖሰለ፡ ምእንቲ ዓመጻና ድማ ተደቝሰ … ብመውጋእቲኡ (ምውጋእ) ድማ ሓዊና (ኢሳይያስ 53:5)።
ሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ (መስቀል) ተሰኪሙ (1 ጴጥሮስ 2:24)።





