ሓደ ሰብኣይ ኣሎ ንዓኻ 100 ሚእታዊት ዝርድኣካ። ብዛዕባኻ ዝሓስብን ሓቀኛ ምሕረት ዘለዎን ሰብኣይ። ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ፡ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሊቀ ኻህናትካ እዩ።
«ከም ድኻምና ኺድንግጸልና ዘይከኣሎ ሊቀ ኻህናት የብልናን፡ ብኹሉ ኸኣ ከምኡ ኸምኡ ተፈቲኑ እዩ፡ ግናኸ ሓጢኣት የብሉን።» (እብራውያን 4:16)
ብምኽንያት ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ተመክሮ ይርድኣካ። በይንኻ እንተ ዄንካ፡ ንሱ እቲ ስምዒት እንታይ ምዃኑ ከም ዝፈልጥ ዘክር። ከመይሲ ኣብ መስቀል ከምኡ ዝበለ በይናዊነት ዝነበሮ የለን – ብኣምላኽን ብሰብን ዝተሓደገ።
ብዝቐረቡኻ ሰባት ዘይተረዲእካ እንተ ተሰሚዑካ፡ የሱስ ብገዛእ ስድራቤቱ ከምኡ’ውን ብደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ግዜ ከም ዘይተረድአ ዘክር።
ምናልባት ንምሕረትን ንዝጸናንዓካ ሰብን ትናፍቕ ትኸውን። እግዚኣብሄር ነዚ ይፈልጦ። ኣብ መዝሙር 69፡ ብትንቢት ከምዚ ይብል፡
«ምሕረት ደለኹ፡ ግናኸ ኣይነበረን፡ መጸናንዕቲ ድማ ደለኹ፡ ግናኸ ኣይረኸብኩን» (መዝሙር 69:20)።
የሱስ ምስ ድሌታት ሰባት ሓደ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባኡ ከምዚ ተባሂሉ እዩ፡
«ንሕማምና ወሲዱ፡ ንሕማምና ኸኣ ጾይሩ» (ማቴዎስ 8:17)።
እንታይ ከም እትሓልፍ ይፈልጥ። ምሳኻ ድማ ይስምዖ!





