ጳውሎስ ኣብ ምዕራፍ ሽዱሽተ ናይ መልእኽቲ ሮሜ ኣብ ቀዳማይ ፍቕዲ፡ “ኣብ ሓጢኣት ክንቅጽል ዲና፧” ዝብል ሕቶ ይሓትት እሞ፡ ኣብ ካልኣይ ፍቕዲ ድማ፡ “ኣይፋል! ንሓጢኣት ዝሞትናስ፡ ከመይ ኢልና ኸኣ ኣብኡ ኽንነብር ኢና፧” ኢሉ ይምልስ።
እዚ ሓደ ምእመን ቅድሚ ንጐይታ የሱስ ከም መድሓኒኡ ምፍላጡ ዝነበሮ ህይወት ክቕጽል ከም ዘይብሉ የርኢ። ድሕሪኡ ድማ፡ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ይብል። ንሱ እቶም ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹም ዅሎም ከም እተጠመቑ ይግምት። ክቡር መንእሰይ ክርስትያን፡ ተጠሚቕካዶ፧ እቲ ሃዋርያ ንክርስትያን ዝግባእ ነገር ይገልጽ። ዘይጥመቕ ምዃን ዘይተለመደ እዩ።
ጴጥሮስ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ (3፡21)፡ “ጽቡቕ ሕልና ንኣምላኽ ዝሓቶ” ምዃኑ ይነግረና። ኣምላኽ ብክርስቶስ ብዙሕ ስለ ዝገበረለይ፡ ህይወተይ ንእኡ ብምሃብ ክምልስ ኣይግባእንዶ፧
ጳውሎስ ኣብ 2ይ ቈረንቶስ 5፡14 ከምዚ ይብል፡ “ሓደ ምእንቲ ዅሉ እንተ ሞይቱ፡ ዅሎም ሞይቶም ነበሩ። እቶም ህያዋን ድማ ደጊም ንርእሶም ዘይኰነስ፡ ምእንትኦም ንዝሞተን ዝተንስኤን ኪነብሩ እዩ ምእንቲ ዅሉ ዝሞተ።”
ምፍላጥ
ኣብ ሮሜ 6፡6 ከምዚ ንብብ፡
እዚ ኸም እንፈልጥ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምእንቲ ሓጢኣት ከይነብር፡ ምስኡ ተሰቒሉ እዩ። (ሮሜ 6፡6)
ኣብ መስቀል ጐይታና የሱስ፡ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ካብ ኣዳም ዝተወለድናዮ ወዲኡ እዩ። እቲ “ኣረጊት ሰብ”፡ ማለት ብስጋ ዝዀንኩዎ፡ ንኣምላኽ ከስምዕ ስለ ዘይከኣል፡ ተወዲኡ እዩ። ጳውሎስ እኳ፡ “ኣብ ስጋይ ጽቡቕ ከም ዘይነብር እፈልጥ እየ” (7፡18) ይብል።
ኣምላኽ ምስ ኣረጊት ህይወተይ ከም ዝወደአ እንተ ፈሊጠ፡ እቲ ሕቶ ድማ፡ ኣነ ምስኡ ወዲአዶ፧ ብምጥማቕ፡ ብስጋ ዝዀንኩዎ ዅሉ ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝተቐበልኩ እየ ዝብል።
ምሕሳብ
ስለዚ ጳውሎስ ኣብ ፍቕዲ 11 ይቕጽል፡
ከምኡ ድማ ንርእስኹም ንሓጢኣት ምዉታት፡ ንኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ህያዋን ኴንኩም ቍጸሩ። (ሮሜ 6፡11)
መንፈስ ቅዱስ ንሓጢኣት “ኣይፋል” ንምባል ሓይሊ ይህበኒ። ቅድሚ ምምላሰይ፡ ሓጢኣት ኣብ ህይወተይ ይገዝእ ነበረን ዝገብሮ ዝነበርኩ ይቈጻጸር ነበረን። እቲ ሓይሊ ተሰይሩ እዩ፡ “ሓጢኣት ኣባኹም ኣይገዝእን እዩ” (ፍ. 14)።
ስለዚ ኣምላኽ ብሞት ክርስቶስ ብስጋ ዝዀንኩዎ ከም ዘወገደ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንእኡ ምእንቲ ክነብር መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሃበኒ ንርዳእ።
ምትእስሳር
ስለዚ ናብ መጨረሽታ ቃላትና፡ “ምትእስሳር” ንመጽእ። ፍቕዲ 13 ከምዚ ትብል፡
ኣካላትኩም ከም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትሃቡ፡ ንርእስኹም ግና ንኣምላኽ ሃቡ። (ሮሜ 6፡13)
ኣእዳወይ፡ ኣእጋረይ፡ ኣዒንተይ፡ ኣእዛነይ፡ ድምጸይ—ሓንሳብ ሓጢኣተኛ ነገራት ብምግባር ንርእሰይ ንምርዋይ ይጥቀሙ ነበሩ። ሕጂ ግና ንኣምላኽ፡ “ከም ኣጽዋር ጽድቂ” ክህቦም እኽእል እየ።
ጳውሎስ ኣብ ገላትያ 2፡20 ከምዚ ይብል፡ “ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ እየ፡ ግናኸ ህያው እየ፡ ኣነ ግና ኣይኰንኩን፡ ክርስቶስ እዩ ኣብ ውሽጠይ ዝነብር። እቲ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ህይወት ድማ፡ ብእምነት ወዲ ኣምላኽ፡ ንኣይ ዝፈተወኒን ንርእሱ ምእንታይ ዝሃበን፡ እየ ዝነብር።”






