ብግዜ ስቓይ ምእማን
ግናኸ ኣነ ኣቱም የሆዋ: ኣባኻ ተወከልኩ: ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ በልኩ። — መዝሙር 31:14 JND
ንዝኣምን ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ መዝሙራት ምንባብ ይጠቅም። ነዚ ቕድሜና ዘሎ ጽቡቕ መዝሙር ብህድኣት ምምርማር ወዲ ሰብ ዝሓለፎ ዓሚቕ ስቓይን መከራን ኪገልጽ እዩ። መዝሙራት ጐይታ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ልቡ እንታይ ከም ዝተፈጸመ ይነግሩና። ውሽጣዊ ስምዒታቱ ይወጹ። ንሱ ኣብ መስቀል ጥራይ ዘይኮነስ: ኣብ ምሉእ ንጽህና ዝመልኦ ህይወቱ ክንደይ ከም ዝተሰቀየ የርእዩ። ቅዱስ ሰብነቱ ብዝኸበቦ ነገራት ክሳዕ ክንድዚ ስለ እተንከፈ: «ህይወተይ ብሓዘን: ዓመታተይ ድማ ብቃንዛ ሓሊፉ» (ፍ.10) ኪብል ከኣለ።
ጐይታ ጥራይ እዩ ዕምቀትን ስፍሓትን ስቓይና ዝፈልጥ: እኳ ደኣ ምስቲ ንሱ ዝተሰቀዮ ኪወዳደር ኣይከኣልን። ንሱ ነቲ ንሕና እንሓልፎ ፈተናታት: ግናኸ ብዘይ ሓጢኣት ከም ዝሓለፎ ምፍላጥ ክንደይ ዝኸበረ እዩ። ኣብ ኩሉ መከራና ንሱ ተሰቂዩ። ናብ ኩነታትና ብሓቂ ኪኣቱ ዝኽእል ንሱ ምፍላጥና ዓብዪ ፍሉይ መሰል እዩ። ንሱ ከም ካልእ ዝኾነ ሰብ ኪድንግጽ ይኽእል። ስም እዚ ሰብኣይ እዚ የሱስ እዩ!
መዝሙርና ነቲ ጐይታ ኣብቲ ዝሰደዶ እምነት ወይ ምትእምማን የርኢ። ቅድሚ እቲ ኣብ መዝሙር 31 ዝተዘርዘረ ፈተናታትን መከራን: እቲ ናይ እምነት ዓወት ዝመልኦ ድምጺ ተኣዊጁ ነይሩ: «ኣቱም የሆዋ: ኣባኻ እውከል ... ብጽድቅኻ ኣድሕነኒ» (ፍ.1)። እዚ ቓል ናይ ሓንቲ ዝተጨነቐት ነፍሲ እዩ: ንሳ ድማ ናብቲ ልዕሊ ኩሉ ዘሎ – ናይ ምድሓን ዓቕሚ ዘለዎ – ትጥምት!
ካብ ህይወትን ውሽጣዊ ስምዒታትን ጐይታ የሱስ ክንደይ ዓበይቲ ትምህርትታት ክንመሃር ንኽእል: እዚ ድማ ኣብቲ ኽቡር መጽሓፍ መዝሙራት ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣቱም ቅዱሳኑ ኩሉኹም: ንጐይታ ኣፍቅሩ! ጐይታ ንእሙናት ይሕሉ እዩ ... ትብዓት ይሃልኩም: ንሱ ድማ ልብኹም ኬበርትዕ እዩ: ኣቱም ኣብ ጐይታ ተስፋ እትገብሩ ኩሉኹም። — መዝሙር 31:23-24 NKJV





