«ብጸሎትን ብልማኖን ብዅሉ ነገር...» (ፊልጲ 4:6)።ጆን ስካደር: ናብ ህንዲ ሚስዮናዊ ዝነበረ: ኵሎም ትሽዓተ ደቁ እውን ሚስዮናውያን ዝዀኑሉ ምኽንያት ከመይ ገይሩ ከም ዝገልጾ ምስ ተሓተተ: ከምዚ ኢሉ መለሰ: «እቲ ኽህቦ ዝኽእል እንኮ መግለጺ: እቶም ደቅና ብኣደኦም ብሓቂ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብጸሎት ከም ዝኣተዉ እዩ። ንሳ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ልደት ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ንምጽላይ ትውዕል ነበረት: ኣምላኽ ከኣ ንጸሎታ መለሰ።»
እቲ ዝፋን ጸጋ እንሆ። እቲ ተስፋ ናባና ይጽውዓና: ገጽ ኣምላኽን ኣቦናን ንምርኣይ: ጸሎት ኪምልስ ዚፈቱ። ጄ.ኤን.





