ጐይታ ኮንግልተን ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፥ ንሱ ድማ ንኻልኦት ብዛዕባ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ክነግር ዝፈቱ ክርስትያን ነበረ።
ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ንኣሽቱ ኣባይቲ ኣብ ግዝኣቱ ይነብሩ ነበሩ፥ ግናኸ ብዙሓት ካብኦም ንዓመታት ዝኸውን ክራይ ዕዳ ነበሮም።
ሓደ መዓልቲ ንዝኾነ ካብቶም ክራይ ዕዳ ዘለዎም ተኻረይቲ ዕዳኦም ክሰርዘሎም ወሰነ። ካብ ሰዓት ዓሰርተ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ዝመጸ ሰብ ዕዳኡ ክስረዝ ምዃኑ ዝገልጽ ምልክት ኣንበበ።
ብዙሓት ሰባት ነቲ ምልክት ረኣይዎ፥ ግናኸ ኣይኣመንዎን።
ሰዓት ዓሰርተን ዓሰርተ ሓደን ሓለፈ፥ ግናኸ ዝኾነ ሰብ ናብ ጐይታ ኮንግልተን ክኣቱ ኣይደፈረን። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰዓት ዓሰርተ ክልተ ሓደ ሰብኣይ ደፊሩ ኣተወ። ብርግጽ፥ ዕዳኡ ተሰሪዙ ነበረ። ወጺኡ ንኻልኦት ክነግር ደለየ፥ ግናኸ ኮንግልተን ከምዚ በለ፥
“ኣይፋል፥ ክሳብ ሰዓት 12 ኣብዚ ጽናሕ። ምሕረት ክራይ ብእምነት ጥራይ እዩ ዝወሃብ፥ ነቶም ንኣዋጀይ ዝኣምኑን ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ጥራይ እዩ።” ኣብ ሰዓት 12 እቲ ሰብኣይ እናጐየየ ወጸ፥ “ሓቂ እዩ! ዕዳይ ተሰሪዙ!” እቶም ሰባት ናብ ቤቱ ጐየዩ፥ ግናኸ እቲ ማዕጾ ተዓጽዩ ነበረ። ድሮ ደንጕዩ ነበረ!
ሓደ ሰብኣይ ጥራይ እዩ ንናይ ጐይታ ተስፋ ዝኣመነ።
ናይ ጐይታ ናይ ምሕረት ተስፋ
ጐይታ የሱስ ንኹሎም ዝቕበልዎም ምሕረት ሓጢኣት ይህብ ኣሎ። ኣይትጥፋእ—ብእምነት ንየሱስ ከም መድሓኒኻ ሎሚ ተቐበሎ። እንተዘይኮይኑ፥ ብሰሪ ዘይተሰረዘ ዕዳኻ ዝኾነ ሓጢኣትካ ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም ከተሕልፍ ኢኻ።
መጽሓፍ ቅዱስ፥ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል፥
…ዝኣመነሉ ዘበለ ምሕረት ሓጢኣት ክቕበል እዩ (ግብሪ ሃዋርያት 10:43ለ)
…እንሆ፡ ሕጂ እዩ እቲ ቅቡል ዘመን፡ እንሆ፡ ሕጂ እዩ መዓልቲ ምድሓን (2 ቈረንቶስ 6:2ለ)
…እንታይ ክገብር ከም ዝድሕን በለ? ንሳቶም ድማ ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም በሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:30,31)






