ክርስቶስ ብውልቁን ብስልጣኑን ጥራይ ኣይኮነን ዓብዪ - ብግብሩ እውን ዓብዪ እዩ። ብዙሕ ግዜ ሰባት ንግሩም ግብርታት ጐይታ የሱስ ምስ ረኣዩ ይግረሙ ነበሩ።
የሱስ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ኻልእ ብዙሕ ትእምርቲ ገበረ፡ እዚ ግና ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣይተጻሕፈን። እዚ ግና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ብምእማን ከኣ ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ተጻሕፈ። (ዮሃንስ 20:30-31)
ኣምላኽ ብድምጹ ብግሩም ይነጕድ፡ ዘይንርድኦ ዓበይቲ ነገራት ይገብር (እዮብ 37:5)
ዓበይቲ ነገራት ገይርካ ኢኻ፡ ኣቱም ኣምላኽ፡ መን ከማኻ እዩ? (መዝሙር 71:19)
ብዓብዪ ፍርሃት ፈርሁ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ እዚ እንታይ እዩ፡ ንፋስን ባሕርን እኳ ዚእዘዝዎ? በሉ። (ማርቆስ 4:41)





