ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምትሕትና ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዚነግረና ካብቲ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ እዩ። ንሱ ወዲ ፍቕሪ ኣቦኡ ነበረን ንዘለኣለም ድማ እዩ፣ ብእኡን ምእንትኡን ኵሉ ተፈጥረ፣ ብእኡ ድማ ኵሉ ሓቢሩ ይነብር (ቈሎሴ 1:13–17)። ንሱ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ድንግል ሰበይቲ ማርያም ምእታዉ፣ ኣብኡ ምዕባዩ፣ ብግዜኡ ድማ ከም ዘይተሓግዝ ሕጻን ምውላዱ፣ ኣብተን ግዜያት እቲአን ድማ ንዅሉ ፍጥረት ብቕኑዕ ኣገባቡ ምድጋፉ፣ ብምሉኡ ኽንርድኦ ዘይንኽእል ቅዱስ ምስጢር እዩ፣ እንተኾነ ግን ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ገሊጹልና ኣሎ።
ንሕና ድማ ንሕሰብ እሞ ነምልኽ፣ ከመይ ገይሩ እቲ ብዘይልክዕ ሃብታም ዝነበረ ድኻ ዀነ፣ ክሳዕ ክንድዚ ድኻ ዀይኑ ኸኣ እቲ ናይ መጀመርታ ዓራቱ ኣብ ምድሪ መብልዕ እንስሳታት ከም ዝነበረ። እቶም ኣምላኽ ንቕዱስን ዅሉ ዝኽእልን ወዱ ዝኣመኖም ወለዲ ድኻ ድንግልን ምስ ሓደ ትሑት ጸራቢ እተሓጽየት ነበሩ። ኣብታ ናይ ኣቦታቶም ከተማ ቤተልሔም፣ ከተማ ንጉስ ዳዊት፣ ኣብ ቤት ማሕደር ስፍራ ኣይነበሮምን!
ርግጽ እዩ፣ ማርያምን ዮሴፍን ነቲ ኣብ እብራውያን 10 ዘሎ ትንቢታዊ ቓላት፣ ማለት ካብ መዝሙር 40 እተወስደ ጥቕሲ፣ ኣይሰምዕዎን። እንተኾነ ግን እዚ ቓላት እዚ እቲ ወዲ ኣምላኽ ናብዚ ርኹስ ሓጢኣተኛ ዓለም ክኣቱ ኸሎ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዝነገሮ መርሖ ቓል ክንብሎ ንኽእል ኢና። ብሓቂ እዚ መርሖ ቓል እዚ ንዅሉ ህይወቱ ኣብ ምድሪ ይገልጽ ነበረ። ኣብዚ ብትሕትና ይኸይድ ነበረ፣ ምስ ኣቦኡ ይራኸብን ፍቓዱ ይገብርን ነበረ። ንሱ ድማ ንኣና ኣርዑኡ ኽንወስድን ካብኡ ኽንመሃርን ይሓትተና፣ እቲ ኣብዚ ትሑትን ልቡ ለዋህን ዝነበረ፣ ንነፍስና ዕረፍቲ ኽንረክብ።





