እቲ «መፋትሕ ሲኦልን ሞትን» ዘለዎ፣ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ስልጣኑ ብግልጺ የርኢ። ሞት ተሰሪዙ እዩ፤ ሲኦል ድማ ንብረት ይገድፍ። ምድሓን ተፈጺሙ እዩ፣ ክሳዕ እቲ ሰማያዊ ህዝቢ ዚምልከት፣ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ስጋ ከምቲ ቅድሚኡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ዚኸውን።
እቲ እዚ ዚኸውንሉ ኣገባብ ዜገርም እዩ። «እግዚኣብሔር ባዕሉ ኺወርድ እዩ።» ስለምንታይ እዚ? ንኻልኦት ኪውክል ኣይከኣለንዶ? ካብቲ ልዕሊኡ ዘሎ ዝፋን ቃል ኪዛረብ፣ ከቶ ድማ ከይሓደጎ ኪኸውን ኣይከኣለንዶ? ብርግጽ፣ ግናኸ ናይ ትዕግስቱ ግዜ ምስ ተወድአ፣ ልቡ ኣብዚ ብኸመይ ከም ዚወጽእ ምርኣይ ንድኻም ልብና ክንደይ ኬለዓዕሎ ይግባእ። ንሱ ባዕሉ ካብ ደገ ሰማይ ኪመጽእ ኣለዎ፣ ከምቲ ንሕና ንምምጻእ ፍቑርን ቅሩብን ንነዊሕ ግዜ ዘይነበረን ዓርኪ ንምቕባል ብቕልጡፍ እንወጽእ፣ ንኹሉ ድንጉይ ስርዓት እናረሳዕና። ድምጹ ቅድም ንሳቶም ኪሰምዕዎ ኣለዎ፤ ናይኡ እዩ እቲ ንድቃስ መቓብር ዚሰብር፣ ንነበርቲኡ ድማ ዜውጽእ ጭድርታ።
ኩሉ ብቕጽበት ይፍጸም፤ ምድንጓይ ይውዳእ። እዚ ድማ ነቲ ግዜኡ ዝበጽሐ ነቲ ፍረ ስቓይ ነፍሱ ኺርኢ ዜርብሖ መወዳእታ ዚግባእ መእተዊ እዩ (ኢሳ. 53:11)። «ከምኡ ድማ ኩሉ ግዜ ምስ እግዚኣብሔር ክንከውን ኢና።»






