ከም መስቀል ዝኣመሰለ የለን! ኣብ ማእከል ዘለኣለማዊ ግዜ ብምሉእ ውልቃዊ ዕብየቱን ግርማኡን ይቐውም። ናይ ኵሉ ምሁር ፍጥረት ድንቂ እዩ፣ ከመይሲ ኣብኡ ክፉእን ጽልእን ናይ ዝወደቑ ፍጥረታት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ጽቡቕነትን ፍቕርን ኣምላኽ እውን ተጻሒፉ ኣሎ። ካብ ጸልማት ዝሓለፈ ግዜ ብምሉእ ብርሃኑን ጸልማቱን፣ እምነትን ክሕደትን፣ ጽድቅን ሓጢኣትን፣ ምሕረትን ጭካነን፣ ፍቕርን ጽልእን ይረአ።
ብብርሃኑ ልቢ ሰማይ ተመዝጊቡ እዩ፣ ንዓሚቕ ዓሚቕ ክፉእ ድማ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብኡ ጸሊም ባሕሪ ናይ ሰብኣዊ በደል ኣሎ፣ ግናኸ ዘይረኸሰ ውቅያኖስ ጸጋ እውን ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ግዜ ዝዀነ ይኹን ካልእ ምስኡ ኺወዳደር ኣይክእልን፤ ኣብ መጻኢ እውን ኪወዳደረሉ ዝኽእል የለን። ንዕኡ እናሓሰብና፣ እቲ ሰብ ዝገበሮ ዝዓበየ ሓጢኣት ንርኢ፣ ግናኸ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናይ ዘይተወሰነ ምሕረት ኣምላኽ እውን። ሰብ ኣብኡ ብምሉእ ስነ-ምግባራዊ ህላዌኡ ተፈቲኑ፣ ኣብኡ ድማ ምሕረት ኣምላኽ ናብ ዓሚቕ ዓሚቑ ተሰሚዑ።
መስቀል እቲ ጸላኢ ዝወደቐ ፍጥረት ዘይቅዱስ ኣእዳው ዘልዕለሉን ብሞት ዝቐትለሉን እዩ፣ ግናኸ ፈጣሪ ብዘይነገርን ዘይተወሰነን ፍቕሪ ዝመለሰሉ እዩ። ኣብኡ ሰብ ኪበልጾ ዘይከኣል ክፉእ ንርኢ፣ ግናኸ ኣምላኽ ባዕሉ ኺደግሞ ዘይከኣል መርኣያ ሞገስ እውን! ሰማይ ባዕሉ ነቲ ኣብ ጎልጎታ እተገልጸ ዅሉ ፍቕሪ፣ ዅሉ ጸጋ፣ንዅሉ ምሕረትን ኪሓቚፍ ኣይክእልን እዩ።
ከምቲ ካልእ ዝበሎ፣ «ሰብኣዊ ሓሳብ ኣብዚ ይደናገር፤ ንምርዳእ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ።»





