ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ንኣሰርተታት ዓመታት ምርኮ ምስ ጸንሑ፡ ኣምላኽ ንፋርሳዊ ገዛኢ ቂሮስ ንሓርነቶም ኬውጅህ ኣተባብዖ። ልዕሊ 40,000 ናብ ይሁዳ ተመልሱ። ኣብ ከተማታቶም ምስ ተቐመጡ፡ ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ኣብ ዳግማይ ዝተሰርሐ መሰውኢ መስዋእቲ ኣቕረቡ፡ በዓል ዳስ ድማ ኣኽበሩ (እዝራ 3:1–5) ። ይኹን እምበር፡ «መሰረት ቤተ መቕደስ እግዚኣብሔር ገና ኣይተነብረን» (ቁ. 6) ። ሰራሕተኛታት ተቖጺሮም ኣቕሑ ድማ ተኣዘዘ (ቁ. 7) ፡ ግናኸ ሾብዓተ ወርሒ ሓለፈ። ኣብ መወዳእታ፡ ከምቲ ቁጽሪ 8 ዚገልጾ፡ ዜሩባቤልን የሹዋን ነቲ ዕዮ ጀመሩ።
ሓድሓደ ግዜ ዝኸበደ ነገር ምጅማር እዩ። መንፈሳዊ፡ ብኣምላኽ ዝተሰርዐ ድሌታት ክህልወና ይኽእል እዩ፡ ግናኸ እቲ ኢድና ዘርጊሕና ብሓቂ ክንጅምር ዘሎና እዋን ይመጽእ። እዚ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም፡ እቲ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ቤተ መቕደስ ካብቲ ዝደለይዎ ኣዝዩ ትሑት ክብሪ ክህልዎ እዩ ነይሩ። እቲ መሰረት ምስ ተነብረ፡ እቶም ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዝዘከሩ፡ እቲ ህንጻኦም ክንደይ ትሑት ከም ዝመስል ምስ ተረድኡ በኸዩ። እዚ ድማ ብሓጺር እዋን ብጸላእቶም ብዝመጸ ጽንኩር ተቓውሞ ተኸተለ። ብሰንኪ ምጕዳል ተስፋ፡ ፍርሂ፡ ከምኡ ድማ ምጕዳል ትዕግስቲ፡ እቲ ዕዮ ደው በለ፡ እቲ ዕዮ ድማ ንኣስታት ዕስራ ዓመት ደው ኢሉ ጸንሐ።
ድኻም እቲ ዕዮ ወይ ምቁራጽ እቲ ዕዮ፡ ዜሩባቤልን የሹዋን ምጅማሮም ጌጋ ምንባሩ ማለት ድዩ? ብርግጽ ኣይፋሉን! ምጅማሮም ንእግዚኣብሔር ኣኽበረ። ኣብ መወዳእታ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንህዝቢ ንምጅማር ዘተባብዖም፡ ከምኡ ድማ ድሕሪ ዓመታት ነቲ ዕዮ ንምፍጻም ኣተባብዖም። ንሕና እውን ድኻም ጻዕርታትና ክስምዓና ወይ ኣብ ምዕባለና ተስፋ ክንቍርጽ ንኽእል ኢና፡ ግናኸ ዕዮ ኣምላኽ ደው ኢሉ ከይጸንሕ ኣይንፍቀድ። ከምቲ ሽዑ ዝተዛረበ፡ ከምኡ ድማ ሎሚ ይዛረብ፡ «ስርሑ፡ ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ» (ሓጋይ 1:14፤ 2:4) ።





