ሰባት ንጐይታ የሱስ ጸልእዎ። ብሓቂ፡ ካብ መዝሙር 69 እናጠቐሰ፡ «ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኻብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሑ» (ፍ. 4) በለ። ነብዪ ኢሳይያስ ድማ፡ «ንሱ ንዑቕን ብሰብ እተነጽገን እዩ» (ኢሳ. 53:3) ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ ናዝሬት፡ የሱስ ንኣይሁድ፡ ጸጋ ኣምላኽ ንኣቶም ጥራይ ከም ዘይተሓጽር፡ ንኣህዛብ’ውን ከም ዝዝርጋሕ ኣጠንቀቖም። እዚ ድማ ብቘጣዕ ኣምለኦም፡ «ተንስኡ ድማ ካብ ከተማ ኣውጽእዎ፡ ናብ ጫፍ እቲ ከተማኦም እተሰርሓሉ ኮረብታ ድማ ወሰድዎ፡ ምእንቲ ኻብ ገደል ኪድርብይዎ» (ሉቃ. 4:29)። ንሱ ነቲ መለኮታዊ ሓይሉ ተጠቒሙ «ኣብ ማእከሎም ሓሊፉ» መገዱ እንተ ዘይከደ፡ ምቐተልዎ ነይሮም።
እቲ ዝመውተሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ኣትሓዝዎ፡ ኣዒንቱ ዓመተሉ፡ ወቕዕዎ፡ መን ከም ዝወቕዖ ድማ ክነግሮም ሓተትዎ። ናይ ምፍርራሕ ፍርዲ ሓለፈ፤ ብስድብ ከሰስዎ፤ ሓሰውቲ መሰኻኽር ድማ ኣምጽኡሉ። ገረፍዎ፡ ኣኽሊል እሾኽ ድማ ኣብ ግምባሩ ገበሩሉ፡ ሸምበቆ ድማ ኣብ ኢዱ ኣትሓዝዎ፡ ኣላገጹሉ ድማ፡ «ሰላም ንኣኻ፡ ንጉስ ኣይሁድ! ድሕሪኡ ድማ ተፍእዎ፡ ነቲ ሸምበቆ ወሲዶም ድማ ኣብ ርእሱ ወቕዕዎ» (ማቴ. 27:29-30)። እዚ ኩሉ ምስ ገበሩ፡ ናብ ቦታ ራስ ከምኡ’ውን ሰቐልዎ። ተቐሚጦም ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተኾይኑ ካብ መስቀል ክወርድ ኣላገጹሉ።
ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ከመይ ገይሩ መለሰ? «ኣቦ፡ ይቕረ በለሎም፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ኣይፈልጡን እዮም» (ሉቃ. 23:34)። ጴጥሮስ ድማ ከምዚ ኢሉ የጠቃልሎ፡ «ንሱ ምስ ተጸረፈ፡ ብምላሹ ኣይጸረፈን፤ ምስ ተሰቀየ፡ ኣየፈራርሀን፡ ንርእሱ ግና ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣሕሊፉ ሃበ» (1 ጴጥ. 2:23-25)። ኣምላኽ ንምሕረት ጸጋ ይሃበና፡ ንሕመምናን ንጉድኣትናን ድማ ኣብ ኢዱ ንሕደግ!





