እቲ ጐይታ ብመስቀል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኺመላለስ ከሎ እውን ብዙሕ መከራ እኳ እንተጸገበ፡ ገለ “ውሒዝ” ግና ንጐይታ ኣብ መገዲ ኣሐዲሱዎ እዩ። ገለ ኻብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ንርአ—ካልኦት እውን ክትዝክሩ ትኽእሉ ኢኹም።
—ማርያም ኣብ እግሪ ጐይታ ተቐሚጣ፡ ብቓሉ ትሕጐስ (ሉቃ. 10:38–42) ፡ ጸኒሓ ድማ ብዓልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ቕዱይ ቅዱይ ዘይቲ ኸኣ ቀቢኣቶ (ዮሃ. 12:1–7) ።
—መስዋእቲ እታ ድኻ መበለት (ማር. 12:42–44) ።
—ምላሽ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብቲ ዒላ (ዮሃ. 4:31–32) ።
—እቲ ንሕሙም ገብሩ ኢሉ ናብ ጐይታ ዝመጸ ሓለቓ ሚእቲ፡ ጐይታ ብቓሉ ጥራይ ኪፍውስ ከም ዝኽእል ዝኣመነ (ማቴ. 8:5–13) ።
—እታ ከነኣናዊት ሰበይቲ፡ ጓላ ኽትሓዊ እኳ እንተለመነት፡ ክትልምን ግና መሰል ኣይነበራን (ማቴ. 15:22–28) ።
—እቲ ሳምራዊ ለምጻም፡ ንምምስጋን ዝተመልሰ በይኑ እዩ ነይሩ (ሉቃ. 17:16) ።
—ዛኬዎስ፡ ንጐይታ ኺርኢ ዝደለየ፡ ንጐይታ ኸኣ በሩ ኺኸፍተሉ ኸሎ ዝተለወጠ (ሉቃ. 19:2–10) ።
—ምእማን ጴጥሮስ፡ “ንስኻ ክርስቶስ፡ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” (ማቴ. 16:16) ።
ክርስቶስ ከምቲ ሽዑ ዝነበረ፡ ሕጂ ብስጋ ኣብ ምድሪ እኳ እንተዘየሎ፡ ንሕናኸ ኸምዚኦም ንጐይታ ልቡ ኸነሐድሰሉ ኣይንደልንዶ ኢና፧ ኩላትና ኸምዚ ንደሊ ምዃንና ርግጸኛ እየ። እሞ ከመይ ገይርና ኸነሐድሰሉ ንኽእል፧ ብግብርና ናብኡ፡ ከም ማርያም ምስማዕ፡ ከም ማርያም ምምላኽ፡ ከም እታ ድኻ መበለት መስዋእቲ ምቕራብ፡ ከምቲ ሓለቓ ሚእቲ እምነት ምሕባር፡ ከም እታ ከነኣናዊት ሰበይቲ ርእስና ምትሕት ምባል፡ ከምቲ ዝሓወየ ሳምራዊ ለምጻም ምምስጋን፡ ከም ዛኬዎስ ንስሓ ምእታው፡ ከም ጴጥሮስ ልቢ ምኽፋት፡ ንነገራት ኣምላኽ ምቕባልን ናትና ምግባርን። እዚኦም ገለ ኻብኦም እዮም። ንሱ ይሕጐስ፡ ንሕና ድማ ንልቡ ባህታ ነምጽኣሉ፡ ንስሙ ድማ ክብሪ ይምጻእ።





