ክቡር ኣንባቢ፣
«ሓይሊ ትንሳኤኡ» (ፊልጲ 3:10)። እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዝገርም መግለጺ መለኮታዊ ሓይሊ ኣብ ትንሳኤ ጐይታ የሱስ እዩ ነይሩ። ኣብኡ «ንኣና ንዝኣመንናኸ ሓይሉ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ በቲ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ሓይሉ፡ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ፡ ኣብ ሰማያዊ ስፍራታት ከኣ ኣብ የማናዊ ኢዱ ኸም ዘንበሮ፡ ልዕሊ ዅሉ ምምሕዳርን ስልጣንን ሓይልን ግዝኣትን» (ኤፌሶን 1:19-23) ንመሃር።
ተግባራዊ ፍልጠት ሃዋርያ
እዚ እቲ ሃዋርያ ብተግባራዊ መገዲ ኪፈልጦ ዝደለዮ ሓይሊ እዩ ነይሩ። ንሮማውያንን ንኤፌሶናውያንን ነጊርዎም ነይሩ፤ ንጢሞቴዎስ ኪሕዞ ኣተባቢዕዎ ነይሩ፤ ንሱ ግና ኣብ ዕለታዊ ህይወቱ ብተመክሮ ኪፈልጦ ደልዩ ነይሩ። እቲ ጸላኢ ንሞት ዘይፈርህን ካብ ኵሉ መጥቃዕትታቱ ዝበልጽን ሰብ እንታይ ኪገብሮ ይኽእል? እቲ ሃዋርያ ነቲ ግብሪ እዚ መለኮታዊ ሓይሊ ኣብ ህይወቱ ብተመክሮ ዝፈልጦ ዝነበረ መጠን፡ ካብ ኵሉ ፈተናን ሽግርን ኵሉ መጥቃዕቲ ኣብቲ ውግእ ዝበልጽ ይኸውን ነይሩ። ንሓቂ ትንሳኤ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ዝገጥሞ ነገራት ኬምጽኦ ደልዩ ነይሩ፡ ብዙሕ ኪገጥሞ ድማ ነይሩ። ንኔሮ ኪገጥሞ ተዳልዩ ነይሩ፡ ግና ኣይፈርሀን። ኵሉ ሓሳቡ ንክርስቶስ ብህይወት ይኹን ብሞት ምዕባይ ነይሩ። ሓይሊ ወይ መሪር ቍጥዓ ኔሮ ንሓይሊ ትንሳኤ ክርስቶስ ንዝፈልጥ ሰብ እንታይ ኪገብሮ ይኽእል?
ዕለታዊ ሓይሊ ምእመን
ፍልጠት ሓይሊ ትንሳኤ ክርስቶስ ኣብ ነፍስና መዓልታዊ ካብ ኵሉ ሽግርን ፈተናን መከራን ኣብዚ ዳሕሮት መዓልታት ንላዕሊ ኽንከውን የኽእለና። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ነገራት ክኸፍኡ ይኽእሉ እዮም፡ ጐይታ እንተ ደንጐየ፡ መገዲ እሙናት ድማ ዝኸበደ ኪኸውን እዩ፤ ንሕና ግና በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ሓያላት ክንከውን ንኽእል ኢና፡ ካብ ኵሉ ሽግር ድማ ክንበልጽ ንኽእል ኢና፡ ኵሉ ተንኮል ጸላኢ ድማ ከምቶም ሓይሊ ትንሳኤ ክርስቶስ ዝፈልጡ ኽንገጥሞ ንኽእል ኢና።






