"ገጽካ ምሳና እንተ ዘይከደ፡ ካብዚ ኣይተስእለና" (ዘጸኣት 33:15) "ኣነ ኽምህረካን ክነግረካን እየ እታ እትኸደላ መገዲ፡ ብዓይነይ ክመርሓካ እየ" (መዝሙር 32:8)።
ጸሎት
ገጽካ ምሳና እንተ ዘይከደ፡ ኣይተስእለና ኻብዚ፡ ዎ ጐይታይ፤ ካባኻ ተፈልየ፡ ክቡር መድሓኒ፡ እንታይ ሓጐስ እያ ምድሪ ክትህብ እትኽእል?
እቲ ዝለስለሰ፡ ዝጸሓየ መገዲ፡ ጐይታይ፡ ብእግሪ ሰብ ዝተረግጸ፡ ኣይወስዶን እየ፡ ከም ሄኖክ እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብኡ ምስ ኣምላኽ ክመላለስ እንተ ዘይክኢለ።
እቲ ዝሃብተመ፡ ዝሓሸ ውህበት እውን፡ ጐይታይ፡ ንሰብ ዝተዋህበ፡ ብዘይ ሞገስካ ኣይደልዮን እየ፡ ቡሩኽ ጐይታ ምድርን ሰማይን።
ሓሳብካ ኽህልወኒ እደሊ፡ ጐይታ የሱስ፡ ትሑት፡ ለዋህ፡ እሙን፡ ወትሩ ክትብል ዝኸኣልካ፡ "ኣቦይ፡ ፍቓደይ ዘይኮነስ፡ ፍቓድካ ይኹን።"
መርሓኒ እምብኣር፡ ጐይታ የሱስ፡ መርሓኒ፡ ከይጋገን ከይጠፍእን፡ ብዓለምን ብሰይጣንን ተፈቲነ፡ ካብታ ጸባብ መገዲ ከይወጽእ።
ኣባኻ ቀረባ ግበረኒ፡ ክቡር መድሓኒ፡ ኣብ ፍቕርኻ ኽነብር እደሊ፡ ክሳዕ ብምስልኻ ዝትንስእ፡ ብኽብሪ ዝጸግብ።






