ሓያል ነጋዳይን መራሒ ቤተ ክርስትያንን ብሓንሳብ ብኸቢድ ሕማም ተሰኪዑ ናብ ሆስፒታል ኣተወ። ቅድሚ እዚ ሕማም እዚ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ወይ ድማ ምስ ሞተ ናበይ ከም ዝኸይድ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ሆስፒታል ምጽንሑ ንኽሓስብ ግዜ ሂብዎ፣ ተጨኒቑ ድማ ነይሩ።
ቃል ካብ ዓርኪ
ኣብ ሰዓታት ምብጻሕ፣ ሓደ ዓርኪ መጺኡ በጽሖ። እቲ ዛዕባ ሞት ምስ ተላዕለ፣ “ከማኻ፣ ኣነ’ውን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ደገ ሞት በጺሐ ነይረ። ግን ንኣምላኽ ምርኻብ ኣየፍርሃኒን፣ ምኽንያቱ ንቕዱስ ደም የሱስ ከም እንኮ መገዲ ናብ ሰማይ ክእመን ወሲነ ነይረ” በሎ።
እቲ ሕሙም ሰብኣይ ተንስአ እሞ፣ “ብዛዕባ ሞት ብዙሕ ሓሲበ ኣለኹ። ናብ ሰማይ ከም ዝኸይድ ክሳብ ክንድዚ ሃይማኖተኛ ከም ዝነበርኩ ኣይመስለንን። ብርግጽ እንተ ፈሊጠ፣ ኩሉ ገንዘበይ ምሃብኩ” በለ።
እቲ በጻሒኡ ድማ፣ “ሓደ ነገር ቅኑዕ ክገብረልካ ፍቐደለይ። ሃይማኖተኛ ምዃን ናብ ሰማይ መገዲ ኣይኮነን። ሃይማኖት ንሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ሰላም ወይ ድማ ናይ ሰማይ ምትእምማን ኣይሃበቶን። ደም የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ እዚ ክገብር ዝኽእል” ኢሉ መለሰሉ።
እቲ ሕሙም ሰብኣይ ተደናገረ። ሃይማኖት ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሓደ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ዝበለጸ ነገር ከም ዝኾነ፣ ከምኡ’ውን ከም “ምልዋጥ፣” “ምድሓን፣” “እንደገና ምውላድ፣” ከምኡ’ውን “ብደም ምጽራይ” ዝኣመሰሉ ቃላት ን“ሃይማኖት” ዝገልጹ ካልኦት ቃላት ጥራይ ከም ዝኾኑ ሓሲቡ ነይሩ።
ቃል ካብ ኣምላኽ
ዓርኩ ከም ዝተደናገረን ከም ዝተጨነቐን ምስ ረኣየ፣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ እግዚኣብሔር ንሙሴ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነገሮ ኣንበበሉ፦ “ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ንርእሱ በጊዕ ይውሰድ … ይቕተሎ ድማ … ካብቲ ደም ድማ ወሲዶም ኣብ ክልቲኡ መሳኹዕን ኣብ ልዕሊ ማዕጾን ናይ ኣባይቲ የንብሩ … ኣነ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ክሓልፍ እየ፣ ንኹሎም በዅራት ኣብ ምድሪ ግብጺ፣ ሰብ ይኹን እንስሳ፣ ክወቅዕ እየ፤ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ፍርዲ ክገብር እየ፦ ኣነ እግዚኣብሔር እየ። ሕጂ እቲ ደም ኣብቶም ዘለኹምዎ ኣባይቲ ምልክት ክኸውን እዩ። ንደም ምስ ረኣኹ ድማ፣ ክሓልፈኩም እየ” (ዘጸኣት 12:3-13)።
“እቲ ዝፈሰሰ ደም እዮም ዝኣመኑሉን ኣብ መሳኹዕ ዘንበሩሉን፣ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ቤት ዝነበሩ ኩሎም ዘድሓነ። ካልኦት ኩሎም፣ ክሳብ ክንደይ ጽቡቓት እንተ ነበሩ፣ ተፈሪዶም ነይሮም”።
እቲ ሕሙም ሰብኣይ ብሃንደበት ተንስአ እሞ፣ “ሕጂ ረኺበዮ! ኩሉ ኣብ ደም እዩ! ኩሉ እዚ ዓመታት እዚ ንጽቡቕ ግብረይ እምነት ገይረ ነይረ። ሕጂ ግን ሃይማኖተኛ ምዃን ከም ዘይሕግዝ እርኢ ኣለኹ። እንኮ መገደይ ናብ ሰማይ ኣብ ደም ክርስቶስ ምእማን እዩ” ኢሉ ጨደረ።
ቃል ንዓኻ
ሃይማኖት ከም ዘድሕን ዝሓስቡ ብዙሓት ኣለዉ። ብዙሓት ንጽቡቕ ግብሮም ናብ ሰማይ ንምእታው ይእመኑ ኣለዉ። ግን ኣምላኽ ብንጹር “ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱ ጥራይ እዩ ካብ ኩሉ ሓጢኣትና ዘንጽሓና” (1 ዮሃንስ 1:7)፤ ከምኡ’ውን “ብዘይ ምፍሳስ ደም ምሕረት (ይቕረታ) የልቦን” (እብራውያን 9:22) ኢሉ ይእውጅ።
ሎሚ ኣብ ደም የሱስ ክርስቶስ ከም መገዲኻ ናብ ሰማይ ኣይትእመንዶ?





