ቫይረስ ናይ ኩሎም ቫይረሳት
ኣብ 1980ታት ሓካይም ሓደ ገዳዪ ቫይረስ ከም ዝረኸቡን ብዙሓት ህይወት ከም ዝወስድን ኣፍለጡ። ብዙሕ ዘረባን ገንዘብን ወጺኡ፡ ግናኸ ኣሽሓት ህይወት ጠፊኡ።
ሰባት ኣብ ኩሉ ዓለም ነዚ ኣስተውዒሎም ብዙሕ ሕቶታት ኪሓቱ ጀመሩ። እቲ ቫይረስ ካበይ መጸ፧ መን እዩ ኺረኽቦ ዚኽእል፧ ከመይ እዩ ዚመሓላለፍ፧ ሳዕቤናቱኸ እንታይ እዩ፧ ፍወሳኸ ኣሎዶ፧
ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ነቲ ቫይረስ ብቁም ነገር ወሲዶምዎ፡ ግናኸ ንሰብ ብኸቢድ መገዲ ኣጥቂዕዎ እዩ። እዚ ቫይረስ እዚ Acquired Immune Deficiency Syndrome ወይ AIDS ተባሂሉ ይፍለጥ። ብዛዕባ ምንጩ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ኣለዉ፡ ይኹን እምበር፡ ከመይ ከም ዚመሓላለፍ ግን ጥርጥር የብሉን። ሳዕቤናቱን ውጽኢታቱን ኣብ ኩሉ ዓለም ግሉጽ እዩ። ግናኸ ሰብ ገና ፍወሳ ኣይፈልጥን እዩ።
ኣብ 1980ታት ካብቲ ዝተገብረ ኣፍልጦ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ ሓደ ካልእ ኣገዳሲ ኣፍልጦ ተገይሩ ነበረ። ብዛዕባ ዝዓበየ ቫይረስ ነበረ፡ እቲ ዝዓበየ ቫይረስ ኩሉ – ሓጢኣት። ኣምላኽ ነዚ ኣፍልጦ እዚ ገበረ፡ እዚ ቫይረስ እዚ ካበይ ከም ዝመጸን ሳዕቤናቱ እንታይ ከም ዝኾነን ኣመላኸተ። ከመይ ከም ዚመሓላለፍን መን ከም ዚለክፍን እውን ኣርኣየ። ግናኸ ንእኡ ፍወሳ እውን ከም ዘርኣየና የሐጉስ። ሃሌሉያ!
ምንጪ እቲ ቫይረስ
ልክዕ ከም AIDS፡ ሓጢኣት ምንጪ ኣለዎ። ምንጩ ብኣዳም እዩ።
ስለዚ፡ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ሞት ድማ ብሓጢኣት፡ ከምኡ ድማ ሞት ናብ ኩሎም ሰባት ተዘርግሐ፡ ምኽንያቱ ኩሎም ሓጢኦም (ሮሜ 5:12 NKJV)።
ሓጢኣት ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ብሰሪ ዘይምእዛዝ ኣዳም እዩ። ኣምላኽ ካብ ኩሉ ኣብ ገነት ዝነበረ ኦም ብነጻ ኺበልዕ ነጊርዎ ነበረ፡ ካብ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ጥራይ ይብል። ድያብሎስ ንሄዋን ኣታለላ፡ ንሳ ድማ ካብ ፍረ በልዔት፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣዳም ሃበቶ። ብሓዘን፡ ኣዳም ብፍላጥ ንኣምላኽ ኣይተኣዘዘን፡ ንሓጢኣት ድማ ብኹሉ ጥፍኣቱ ናብዛ ዓለም ኣምጽኦ።
ሳዕቤናት እቲ ቫይረስ
ሳዕቤናት AIDS ዘሰቅቕ እዩ፡ ግናኸ ናይ ሓጢኣት ዝዓበየ እዩ። መርትዖ ሓጢኣት ዘይከሓድ እዩ፤ ጥፍኣቱን መከራኡን ኣብ ኩሉ ቦታ ኣሎ። ብልሽውናን ዓመጽን ተስፋሕፊሑ ኣሎ። ሳዕቤናቱ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና፡ ኣብ ቤት ማእሰርትን ኣብ መቓብርን ንርእዮ።
ደሞዝ ሓጢኣት ሞት እዩ እሞ፡ ህያብ ኣምላኽ ግና ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ (ሮሜ 6:23)።
ምምሕልላፍ እቲ ቫይረስ
AIDS፡ ከም ዝብሉ፡ ኣይመርጽን እዩ፤ ዝኾነ ሰብ ምስኡ ዝተራኸበ ኺረኽቦ ይኽእል እዩ። ሓጢኣት ኣይመርጽን እዩ፡ ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ኣብዛ ዓለም ይረኽቦ።
እንሆ፡ ብዓመጻ ተወለድኩ፡ ኣደይ ድማ ብሓጢኣት ጸነሰትኒ (መዝሙር 51:5)።
ክፉእ ምንጪ ሓጢኣት ኣባና ኣሎ፡ ካብኡ ድማ ፍረ ክፉእ ተግባራት ይወጽእ። ዓለምለኻዊ እዩ። ካባና ሓደ እኳ ንኣዳም ወይ ንሄዋን ኣይኪወቕስን እዩ፡ ምኽንያቱ ንሕና እውን ንኣምላኽ ንሓጥእ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ንጠፍእ፡ ካልእ ግዜ ድማ ብፍላጥ ንኣምላኽ ንሓጥእ።
ፍወሳ እቲ ቫይረስ
ምንም እኳ ሕክምናታት እንተሃለወ፡ ንAIDS ዝፍለጥ ፍወሳ የብሉን። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጢኣት ፍጹምን ምሉእን ፍወሳ ኣለዎ። ኣብ ክርስቶስ የሱስ እዩ ዚርከብ፡ ንኣኻ ዝተሰቕለ። ክርስቶስ
ንሓጢኣት ብመስዋእቲ ርእሱ ኼርሕቕ ተገሊጹ እዩ (እብራውያን 9:26)። ንእኡ ጠምት፡ ንሱ ድማ ኬድሕነካ እዩ።እንሆ! ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ! (ዮሃንስ 1:29)።ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ንተመን ዘልዓለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪልዓል ይግባእ፡ ምእንቲ ዚኣምነሉ ዘበለ ኹሉ ከይጠፍእ፡ ግናኸ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረክብ (ዮሃንስ 3:14-15)።
ኣምላኽ ንእኡ ኽትጽውዕ ይብለካ፡ ንሱ ድማ ፍወሳኡ ኣብ ህይወትካ ኺዓዪ እዩ።
ምኽንያቱ ንስም ጐይታ ዚጽውዕ ዘበለ ኹሉ ኺድሕን እዩ (ሮሜ 10:13)። ንእኡ ጽዋዕ፡ ካብ ኩሉ ሓጢኣትካ ድማ ሎሚ ድሓን! ከመይ ከም ዝኾነ ኽንነግረካ ንኽእል ኢና።
ብጀፈርሰን ኣሌይን፡ ካብ Drawing Near Publications





