ጀሮም ካብ ዓቢ ስድራ ቤት እዩ መጺኡ። ናቱ መጻወቲ ኣይነበሮን። ኵሉ ነገር ምስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኪካፈል ነበሮ። ምስ ንእሽቶ ሓውኡ ዓራት ይካፈል ነበረ። ክዳውንቱ ካብ ዓቢ ሓውኡ ዝወረሰን ነበራ። ንእሽቶ ሓብቱ ኣብታ ጀሮም ዝተወልደላ መዓልቲ ስለ ዝተወልደት፡ ልደቱ እውን ምስኣ ኪካፈል ነበሮ!
ሓደ መዓልቲ ገለ ኣዕሩኽ ንጀሮም ናብ ሓደ ክለብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ቐጺሉ ዘሎ ብሎክ ወሰድዎ። እታ መምህር ብዛዕባ ኒቆዲሞስ—ብዛዕባ ኣምላኽን ሰማይን ኪፈልጥ ዝደለየ ሰብ—ነገረቶ። የሱስ ንእኡ ንኣምላኽ ንምፍላጥን ናብ ሰማይ ንምኻድን “ዳግማይ ኪውለድ” ከም ዘለዎ ነገሮ። ኒቆዲሞስ ዓብዪ ሰብኣይ ነበረ፡ ስለዚ ንየሱስ፡ “እዚ ከመይ ጌረ ኽገብሮ እኽእል? ሕጻን ኪኸውንን ብኸምኡ ዳግማይ ኪውለድን ኣይኽእልን እየ” ኢሉ ሓተቶ።
የሱስ ንእኡ ዳግማይ ምውላድ ማለት ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጽቡቕ፡ ሕማቕ፡ ሓጐስን ሓዘንን ዚስምዓና ክፋል ምቕያር ማለት እዩ በሎ። እዚ እዩ እቲ ሓደ እኳ ዘይርእዮ እንተ ዘይኮነስ ኣምላኽ። “መንፈሳዊ” ርእስና ይበሃል።
የሱስ ድሕሪኡ በለ፡
ኣምላኽ ንዓለም ከምዚ ገይሩ ፈተዋ፡ ንእንኮ ወዱ ድማ ሃበ፡ ንእኡ ዚኣምን ኵሉ ኸይጠፍእ፡ የግዳስ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረክብ። (ዮሃንስ 3:16) ኒቆዲሞስ ንየሱስ ኣሚኑ ዳግማይ ተወልደ።
እታ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ንጀሮም፡ “ንወዲ ኣምላኽ፡ እቲ ምእንቲ ሓጢኣትካ ኣብ መስቀል ዝሞተ፡ ክትእመን ትደሊ ዲኻ? ዳግማይ ክትውለድ ትደሊ ዲኻ?” ኢላ ሓተተቶ።
ብሓገዛ፡ ጀሮም ንየሱስ ኵሉ ሓጢኣቱ ኺሓድገሉ ሓተቶ። እታ መምህር ድሕሪኡ፡ “የሱስ መድሓኒትካ እዩ። ሎሚ ሓድሽ ህይወትካ ኣብ ክርስቶስ ትጅምር። ሎሚ መንፈሳዊ ልደትካ እዩ” በለት።
እቲ ክለብ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪኡ ነዚ ፍሉይ መዝሙር ልደት እዚ ንጀሮም ዘመረ፡
እንቋዕ ናይ ልደት በዓል ኣባጸሓካ፤
ሓደ ጥራይ ኣይበቅዕን እዩ።
ህያብ ድሕነት ውሰድ፡
ድሕሪኡ ድማ ክልተ ኺህልወካ እዩ!
ጀሮም ኣዝዩ ተሓጒሱ፡ “ሕጂ የሱስ መድሓኒተይ እዩ። ናብ ሰማይ ኣብ መገደይ እየ። ናተይ ዝኾነ ልደት ኣሎኒ፡ ምስ ሓደ እኳ ኽካፈሎ ዘይብለይ!” በለ። ኣዝዩ ስለ ዝተሓጐሰ፡ ብኡብኡ ናብ ገዝኡ ኸይዱ ንምሉእ ስድራቤቱ ብዛዕባ ሓድሽ ልደቱ ነገሮም።
ንስኻኸ? ዳግማይ ክትውለድን ሓድሽ ልደት ክትረክብን ትደሊ ዲኻ? ንኣምላኽ ክትፈልጥን ንሰማይ ድሉው ክትከውንን ትደሊ ዲኻ? እዞም ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ከም ዚገብሩኻ ኺነግሩኻ እዮም፡
ኣምላኽ ይፈትወካ፡
ኣምላኽ ንኣና ፍቕሩ የርኢ፡ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ (ሮሜ 5:8)።
የሱስ ምእንታኻ ሞተ፡
ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ … ተቐብረ፡ … ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ከምቲ ጽሑፋት ዝበሎ ተንስአ (1 ቈረንቶስ 15:3-4)።
ኣምላኽ ኣብ ስድራቤቱ ኺህልወካ ይደሊ፡
ንእኡ ዝተቐበልዎ ኵሎም፡ ደቂ ኣምላኽ ኪኾኑ መሰል ሃቦም (ዮሃንስ 1:12)። – ኤም. ሲምስ





