ብገመድ ምትሓዝ
ጩኸት ጆኒ እናዓበየን እናዓበየን ከደ። “ጆኒ እንታይ እዩ ዘሎ?” ኵሎም እቶም ጎረባብቲ ካብ መስኮቶም እናረኣዩ ሓተቱ። ወይዘሮ ግራሃም ኣብ ጐድኒ ትነብር ነበረት፡ ንጸገም ድማ ርእያቶ፡ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ብገመድ ተሓቢሱ ነበረ።
ጆኒ ገመድ ሓውኡ ወሲዱ ኣብ ርእሱ ደጋጊሙ ጠቕሊልዎ ነበረ። ሕጂ ምስ ኣዕሩኹ ኺጐይን ኪጻወትን ደለየ፡ ግናኸ ኺፍታሕ ኣይከኣለን። ኣዕሩኹ ኺሕግዝዎ ፈተኑ። ሰሓቡን ኣጣቕዑን። ደፊኦምን ገፊኦምን። ግናኸ ዝያዳ ኺፍትንዎ ኸለዉ፡ ጆኒ ዝያዳ ብገመድ ይትሓዝ ነበረ፡ ዝያዳ ድማ ይሓምሞ ነበረ። ጆኒ ዝያዳ ጮኸየ።
ድሕሪኡ ኣደ ጆኒ ንምድሓን መጸት። ብመቐስኣ ነቲ ገመድ ቖሪጻ ንጆኒ ኻብቲ ዝተሓባበሰ ነገር ኣፍተሓቶ። ኣዝዩ ተሓጒሱ! ዳግማይ ከምኡ ኺእሰር ፈጺሙ ኣይደለን።
ብሓጢኣት ምትሓዝ
ግናኸ ጆኒ ኵሉ መዓልቲ “ብገመድ ሓጢኣቱ” ዝያዳን ዝያዳን ከም ዚትሓዝ ኣይፈለጥን ነበረ (ምሳሌ 5:22)። ሓደ እኳ ኻብዚ ገመድ እዚ ኼፍትሖ ኣይከኣለን፤ ኣዲኡ እውን ኣይከኣለትን!
ከም ጆኒ፡ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮን ኣዋልድን ብገመድ ሓጢኣት ተሓቢሶም እዮም። ግናኸ ብዙሓት ሕጂ ነጻ እዮም። “ወዲ (የሱስ ክርስቶስ) እንተ ኣፍተሓኩም፡ ብሓቂ ነጻ ኽትከውን ኢኹም” (ዮሃንስ 8:36) ከም ዝበለ ረኸቡ።
ከመይ ከም ዚሓምም
ሓጢኣት ክንገብርን ሕማቕ ነገራት ክንገብርን ከለና፡ ንርእስናን ንኣምላኽን ንጎድእ። ግናኸ ኣምላኽ ኣዝዩ ስለ ዝፈተወና፡ ካብ ሓጢኣት ንምፍታሕ መገዲ ገበረልና። ንወዱ የሱስ ኣብ ቤተልሔም ኪውለድ ለኣኾ።
የሱስ ጽቡቕ ነገራት ጥራይ ገበረ። ንሕሙማት ኣሕወየን ንጥሙያት ኣብልዐን። ንኵሉ ሰብ ፈተወ። ናብ ሰማይ ከመይ ከም ዚኸዱ ንሰባት ነገሮም።
ግናኸ እቶም ሰባት ሕማቕ መገዶም ኪገድፉ ኣይደለዩን። “ጐይታ የሱስ፡ ብሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ” ኺብሉ ኣይደለዩን፡ ስለዚ ድማ ብምስማር ኣብ መስቀል ቐተልዎ። የሱስ ኬግድፎም ይኽእል ነበረ፡ ግናኸ እንተ ገበሮ፡ ካብ ሓጢኣትና ኽንፍታሕ መገዲ ኣይነበረናን፡ ናብ ሰማይ ድማ ፈጺምና ኣይንኸይድን። ኬድሕነና ሞተ።
ምፍታሕ
የሱስ ምእንቲ ሓጢኣትካ ኸም ዝሞተ ትኣምን ዲኻ? ድሕሪኡ ሓጢኣትካ ከም ዝሓዘንካ ንእኡ ንገሮ። ኬርሕቖም እዩ። እዚ እንኮ መገዲ እዩ ካብ ሓጢኣትካ ኽትፍታሕ እትኽእለሉ። “ክርስቶስ የሱስ ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ኣፍቲሑኒ እዩ” (ሮሜ 8:2)። እዚ እንኮ መገዲ እዩ ናብ ሰማይ ኽትከይድ እትኽእለሉ።
ሕጂ ብጸሎት ምስ የሱስ ተዛረብ። ኵሉ መዓልቲ ምስኡ ተዛረብ። ካብ ሓጢኣት ነጻ ኽትከውን ኪሕግዘካ ይደሊ።





