“ሓድሽ ልቢ ግበሩ ንርእስኹም” ህዝቅኤል 18:31
ልብኻ ኺዓርፍ ከሎ . . .
ሰብኣዊ ልቢ ኽሳዕ ክንደይ እሙን ንእሽቶ ኣካል እዩ! ኲሉ መዓልቲ፡ ሰንበትን ኲሉ በዓላትን ሓዊሱ፡ እዚ ንእሽቶ ሞተር እዚ ብዘይ ምቁራጽ ይንፋሕ ኣሎ። ክድቅስ ከሎና እውን ይቕጽል እዩ።
ልቢ ብዛዕባ ኣየር ፈጺሙ ኣይተማርርን፡ ፈጺሙ ዕረፍቲ ኣይሓትትን። ጽቡቕ ጌርካ ኽትሕዞ ኸሎኻ ብዝበለጸ ይሰርሕ፡ ግናኸ እቲ ናይ ስራሕ ኲነታት ኣሸጋሪ ኽነሱ እውን የገልግል እዩ።
ልቢ ኽሳዕ ክንደይ የድልየና! ሓንቲ ዓይኒ ዕውርቲ እንተ ዀይና፡ ብኻልእ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ሓንቲ እዝኒ ጸማም እንተ ዀይና፡ ብኻልእ ክንሰምዕ ንኽእል ኢና። ሓንቲ እግሪ እንተ ጠፊኣና፡ ብምድጋፊ ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። ግናኸ ሓንቲ ልቢ ጥራይ እያ ዘላትና።
ክንነብር ከሎና
እቲ “ናይ ምንፋሕ ማሽንና” ብግምት ብመጠን ሓደ ኢድ እዩ፡ ክብደቱ ኸኣ ካብ ፍርቂ ፓውንድ ንእሽቶ ይበዝሕ። ኣብ ደቒቕ ብግምት 70 ግዜ፡ ኣብ ሰዓት 4200 ግዜ፡ ኣብ መዓልቲ 100,800 ግዜ፡ ኣብ ዓመት 36,792,000 ግዜ ይንፋሕ። ልቢ ናይ 70 ዓመት ሰብ ልዕሊ 2.5 ቢልዮን ግዜ ነፊሓ እያ።
ልቢ ኣብ 12 ሰዓታት ሓንቲ 65 ቶን ዝዀነት ታንክ መኪና ሓደ ጫማ ካብ ምድሪ ኸተልዕል እኹል ሓይሊ ኸፍሪ ይኽእል እዩ። ኣብ ዓመት ብግምት 650,000 ጋሎን ደም ይንፋሕ፡ ወይ ድማ ልዕሊ 81 ታንክ መካይን ናይ 8,000 ጋሎን ንምምላእ እኹል እዩ።
ከም ሓደ ኢንሳይክሎፔድያ ገለጻ፡ ልቢ ኣብ ሰብኣዊ ኣካል ብግምት 12,000 ማይልስ ዝርሕቀቱ ናይ ደም መርበብ ደም ይንፋሕ። እዚ ኸኣ ካብ ከተማ ኒው ዮርክ ናብ ሆንግ ኮንግ፡ ቻይና ብመገዲ ፓናማ ካናል ዝርሕቀት እዩ።
እዚ ደምና ብቐጻሊ ዜዘውትር ኣካል ብሕማምን ብግፍዕን ኪዳኸም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንብዙሕ ዓመታት ጽቡቕ፡ ዘይተቋርጽ ኣገልግሎት ይህብ፡ ክሳዕ ብመወዳእታ ኺዓርፍ። እዚ ኺኸውን ከሎ ንመውት።
ክንመውት ከሎና
እዚ ናብ ሓደ ብሕታዊ ግናኸ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ የብጽሓና፡ ልብኻ ሕጂ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ እንተ ዓሪፉ፡ ምስቶም ዝደሓኑ ናብ ሰማይ ዲኻ ኽትከይድ ወይስ ምስቶም ዝጠፍኡ ናብ ገሃነም?
እዚ ዚስዕብ ብርግጽ ክትብል ከም እትኽእል ተስፋ እገብር፡ “እወ፡ ክመውት ከሎኹ ናብ ሰማይ ከም ዝኸይድ እፈልጥ እየ። ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ተመሊሰ እየ፡ ንየሱስ ክርስቶስ ከኣ ከም ብሕታዊ መድሓኒተይ ተቐቢለዮ እየ። ንሓጢኣተይ ንምክሓስ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ዝፈሰሰ ኽቡር ደሙ ተኣሚነ እየ። በዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ዘለኣለማዊ ህይወት ተቐቢለ እየ። ስለዚ፡ ክመውት ከሎኹ ናብ ሰማይ ከም ዝኸይድ እፈልጥ እየ።”
ግናኸ ምናልባት እዚ ጥራይ እዩ ኽትብል እትኽእል፡ “ኣይፋለይን፡ ልበይ ምንፋሕ ምስ ኣቋረጸ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እየ፡ ግናኸ ብርግጽ ክፈልጥ ደስ ይብለኒ።” እዚ እንተ ዀይኑ፡ ኣንብብ።
መጽሓፍ ቅዱስ “ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ጐደሎም” (ሮሜ 3:23) ይብለና። እታ “ኲሎም” እትብል ቃል ንዓኻን ንዓይን ተጠቓልል። ብሓቂ፡ ንኲሉ ሰብ ተጠቓልል። ግናኸ መጽሓፍ ቅዱስ “ክርስቶስ ንሓጢኣትና ሞተ” - ንሓጢኣትካን ንሓጢኣተይን (1 ቈረንቶስ 15:3) ይብል።
እንታይ ክንገብር ንኽእል
ንናጻ ውህበት ምድሓን ኣምላኽ ንምቕባል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ብሕታዊ መድሓኒትና ኽንእምኖ ኣሎና ይብል፡ “ንዅሎም እቶም ዝተቐበልዎ (የሱስ)፡ ማለት ንእቶም ብስሙ ዚኣምኑ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም” (ዮሃንስ 1:12)።
ንየሱስ ከም መድሓኒትካ ኽትቕበሎ እትኽእል መገዲ እዚኣ እያ፡ ናብ ህይወትካ ኺመጽእ፡ ሓጢኣትካ ኼርሕቕ፡ ንዕኡ ኽትነብር ኪሕግዘካ ሓቶ? እዚ ሕጂ ግበሮ፡ ልብኻ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ እንተ ዓሪፉ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ናበይ ከም እትኸይድ ክትፈልጥ ኢኻ።
ብፍሬድ ኮዌል እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መልእኽቲ ብትራክት መልክዕ ካባና ይርከብ።





