ሓደ ክርስትያን ሓደ ምሸት ብማእከል ሓንቲ ዓባይ ምብራቓዊት ከተማ ገይሩ ናብ ቤቱ ይምለስ ነበረ። ብሃንደበት ሓደ ነዊሕን ጽቡቕ ዝመስልን ሰብኣይ ብቓላት ኣጋጠሞ፡
“ዕድልካ ኽነግረካ እየ።” እቲ ፈታዊና ብኸምኡ ስለ ዝተገረመ ንሓጺር ጊዜ መልሲ ኣይሃበን። እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ገለጸ፡
“ኣነ ሓደ ዕድል ዚነግር እየ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን ክነግረካ እኽእል እየ።” “ግን ሓቂ ኸም እትነግር ብኸመይ ክፈልጥ እየ፧”
“ኦህ፡ መጻሕፍቲ ኣለዉኒ። ብኮኾብ ቆጸራ እነግር እየ።”
“እምበኣር፡ ቅድም ሓንቲ ሕቶ ኽሓተካ እፈቱ፡ ሓቂ ኸም እትነግር ንምፍታን። ዕድለይ ብሓቂ ኽትነግር እንተ ኽኢልካ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ብርግጽ ክትነግር ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ኣበይ ክትከውን ኢኻ፧”
እቲ ዕድል ዚነግር ብጣዕሚ ተቖጢዑ መለሰ፡ “ኦህ፡ እዚ ኣይፈልጦን እየ! ግን ኢድካ ኽርኢ ፍቐደለይ፡ ዕድልካ ኸኣ ክነግረካ እየ።”
“ግን” እቲ ክርስትያን መለሰ “ኣነ እውን ዕድል ዚነግር እየ። ኣነ እውን መጻሕፍቲ እጥቀም እየ፡ ሓንቲ ነገር እንተ ነጊርካኒ ኸኣ፡ ዕድልካ ክነግረካ እየ።” “እንታይ ክነግረካ ትደሊ፧”
“ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ፡ ወዲ ኣምላኽ፡ ትኣምንዶ፧ ናብዛ ዓለም እዚኣ ዝመጸ፡ ንመቕጻዕቲ ሓጢኣትካ ኺኸፍል ኣብ መስቀል ዝሞተ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብ ሰማይ ዝዓረገ፡ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ እንደገና ኺመጽእ እዩ።”
“ኣይፋሉን! ንሱ ወዲ ኣምላኽ ኣይነበረን። እዚ ኹሉ ኸኣ ኣይኣምንን እየ።”
“ሕጂ” እቲ ፈታዊና ሓድሽ ኪዳን ካብ ከረጢቱ ኣውጺኡ መለሰ፡ “ዕድልካ ኽነግር እየ። መጽሓፈይ ከምዚ ይብለኒ፡ ‘ብወዲ ዚኣምን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣለዎ፡ ብወዲ ዘይኣምን ግና ህይወት ኣይርእን እዩ፡ ግናኸ ቊጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር።’ እዚ ዕድልካ እዩ፡ ሕጂ ቊጥዓ እቲ ህያው፡ ሓቀኛ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሌኻ ይነብር ኣሎ፡ ከም ዘለኻዮ እንተ ቐጺልካ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ ክትነብር ኢኻ። ሓንቲ መገዲ ምምልጥ ጥራይ ኣላ፡ ‘ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እመን።’” ኣብ ጐድኒ እቲ ጎደና ነዊሕ ዘረባ ቀጸለ፡ እቲ ዕድል ዚነግር ከኣ፡ “ሓንቲ ኻብ መጻሕፍትኹም ክረክብ ይኽእልዶ፧” እቲ ሕቶ ብሓጐስ ተፈቕደ።
እቲ ቐጺሉ ዝመጸ ሕቶ፡ “ኣበይ ትነብር፧ መዓስ ክመጽእ እሞ ክርእየካ እኽእል፧”
ንጽብሒቱ ንሱን ሓደ ፈታዊኡን መጺኦም ምስቲ ክርስትያን ነዊሕ ዘረባ ገበሩ እሞ ብሓንቲ ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ተፋነዉ። እቲ ውጽኢት እንታይ ከም ዚኸውን ኣምላኽ በይኑ እዩ ዚፈልጥ።
ዘለኣለማዊ ዕድልካ
ኣንባቢ፡ ብዛዕባ ዕድልካ፡ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ዕድልካ ሓሲብካዶ፧ ብዛዕባ እዚ ኣብ ጥርጥር ክትነብር ኣየድልየካን እዩ። ንኣምላኽ ምስጋና ይኹን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳያት እዚ ንጥርጥር ቦታ ዘይገድፍ መጽሓፍ ኣሎና። ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ኣበይ ክትከውን ኢኻ፧ ጽባሕ ኣበይ ክትከውን ኢኻ፧ ካብዚ ዝሓጸረ፡ ዝተወሰነ፡ ዝኸበረ፡ ግናኸ ዝኸፍአ እንታይ ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ካብዚ ኸምዚ ዝበለ ጽኑዕ ቓላት፡
ብወዲ ዚኣምን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣለዎ፡ ብወዲ ዘይኣምን ግና ህይወት ኣይርእን እዩ፡ ግናኸ ቊጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር (ዮሃንስ 3:36)።
ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እመን እሞ ክትድሕን ኢኻ (ግብሪ ሃዋርያት 16:31)






