10 መስ 2022
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 11 መስከረም: ዕለታዊ ብርሃን, 11 መስከረም: እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር
ናይ መዓልቲ ብርሃን
እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ።
ሮሜ 12:2
“ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ሰባት ኣይትስዓብ።
ዘፀኣት 23:2
ንእግዚኣብሄር ምፅላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር፥ ፀላኢ እግዚኣብሄር ይኸውን።
ያእቆብ 4:4
ፅድቂ ምስ ሓጢኣት፥ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ? ወይ ከዓ ብርሃን ምስ ፀልማት፥ እንታይ ሕብረት ኣለዎ? ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ? መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ ምስኣቶም ክነብር እየ።
2ይ ቆሮንቶስ 6:14–16
ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ንዓለም ዝፈቱ፥ ኣብኡ ፍቕሪ እግዚኣብሄር የብሉን። ዓለምን፥ እቲ ዅሉ ፍትወታን፥ ሓላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር።
1ይ ዮሃንስ 2:15, 17
ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም።
ኤፌሶን 2:2
ንስኻትኩም ግና፥ ንክርስቶስ ከምዙይ ጌርኩም ኣይተምሃርኩምዎን። እንተ ደኣ ብሓቂ ሰሚዕኹምዎ ዄንኩም ... ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘሎ።
ኤፌሶን 4:20–21
ሰብ ናብ ተግባሩ ይወፍር፤ ክሳዕ ዝመሲ ድማ እናሰርሐ ይውዕል።
ዳዊት 104:23
ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ።
ዘፍጥረት 3:19
እቲ “ክሰርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ” ዝብል ትእዛዝ ሂብናኩም ኔርና ኢናሞ።
2ይ ተሰሎንቄ 3:10
ካብ ሰብ ምእንቲ ኸይትደልዩ፥ እቶም ካብ እምነት ወፃኢ ዘለዉ ኸዓ፥ ምእንቲ ከኽብሩኹም፥ ከምቲ ዝኣዘዝናኩም ብህድኣት ክትነብሩን፥ ኣብ ናይ ባዕልትኹም ጉዳይ ክተተኵሩን።
1ይ ተሰሎንቄ 4:11
ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።
መክብብ 9:10
ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ።
ዮሃንስ 9:4
እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
ገላትያ 6:9
ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:58
እምበኣር ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ተዳሊያትሎም ኣላ።
ዕብራውያን 4:9
ድኻም መዓልትን ሓሩርን ምስ ዝፆርና ምሳና ኣደላዲልካዮም’ እናበሉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣጕረምረሙ።
ማቴዎስ 20:12
“ንሱ ግና እዚኣ እያ ዕረፍቲ፤ ንዝደኸመ ኣዕርፍዎ፤ እዚኣ እያ ቅሳነት” ኢልዎም ነይሩ።
ኢሳይያስ 28:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ9 መስ 2022
ሉቃስ 1:53 · ራእይ 3:17–19
8 መስ 2022
ዳንኤል 5:27 · 1ይ ሳሙኤል 2:3
7 መስ 2022
ሮሜ 12:12 · ቈላስይስ 1:5
6 መስ 2022
ሰቆቃወ 3:41 · ዳዊት 113:5–6
5 መስ 2022
1ይ ቆሮንቶስ 12:12 · ቈላስይስ 1:18
4 መስ 2022
ሩት 3:18 · ኢሳይያስ 7:4



