6 ጥሪ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 7 ጥሪ: ዕለታዊ ብርሃን, 7 ጥሪ: ኦ ኣምላኸይ፥ ኵሉ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝገበርክዎ (ነህምያ 5:19)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ኦ ኣምላኸይ፥ ኵሉ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝገበርክዎ።
ነህምያ 5:19
ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኸምዙይ ኢልካ ኣውጀሎም” በለኒ። “ፍቕሪ ንእስነትክን፥ መርዓት እንተለኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንን፥ ኣብ ፀምፀም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን።
ኤርሚያስ 2:2
“ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኹዎ ኺዳን ክዝክሮ፥ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ ኸፅንዐልኪ እየ።
ሕዝቅኤል 16:60
ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ። ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን።
ኤርሚያስ 29:10–11
ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፥ መንገደይ ካብ መንገድታትኩም፥ ሓሳባተይ ከዓ ኻብ ሓሳባትኩም፥ ልዕል ዝበለ እዩ።
ኢሳይያስ 55:9
“ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ምለመንኩ፤ ነገረይውን ናብ እግዚኣብሄር መቕረብኩ። ንሱ ዘይምርመር ዓብዪ ነገርን፥ ዘይቝፀር ተኣምራትን ይገብር።
ኢዮብ 5:8–9
ኦ ኣምላኸይ፥ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፤ ንሓሳብካውን ዝመስሎ የለን፤ እንተውረኹን እንተ ተናገርኩን ምቝፃሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።
ዳዊት 40:5
ኣይሓድገካን እየ፤ ኣይድርብየካንውን እየ።
ኢያሱ 1:5
ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ተፈፀመ። ካብቲ ዝበሎ ሓደ ቓል እኳ እንተይተረፈ ዅሉ ተፈፂሙ እዩ።
ኢያሱ 21:45
እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤ ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፤ ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ? ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?
ዘሑልቍ 23:19
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንዝፈትውዎን ትእዛዙ ንዝሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር።
ዘዳግም 7:9
ንኪዳኑውን ንዘለኣለም ይዝክር።
ዳዊት 111:5
“ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ። እንሆ፥ ኣብ ከብዲ ኢደይ ቀሪፀኪ ኣለኹ።
ኢሳይያስ 49:15–16
እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ኣብ ማእኸልኪ ዘናግፍ ሓያል እዩ፤ ብታሕጓስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፤ ብፍቕሩውን ክዓርፍ እዩ፤ ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፥ ክበሃል እዩ።
ሶፎንያስ 3:17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ5 ጥሪ 2024
ዕብራውያን 4:3 · ኤርሚያስ 9:5
4 ጥሪ 2024
ዘዳግም 12:9 · ሚክያስ 2:10
3 ጥሪ 2024
ዳዊት 107:7 · ዘዳግም 32:10–12
2 ጥሪ 2024
ኢሳይያስ 42:10 · ዳዊት 81:1–2
1 ጥሪ 2024
ፊልጵስዩስ 3:13–14 · ዮሃንስ 17:24
31 ታሕ 2023
ዘዳግም 1:31 · ዘፀኣት 19:4


