17 ጥሪ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 18 ጥሪ: ዕለታዊ ብርሃን, 18 ጥሪ: ህያው ነፍሲ ኾነ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ (1ይ ቆሮንቶስ 15:45)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ምሳሌ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነበረ።
ሮሜ 5:14
ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።
ዕብራውያን 2:9
ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:14
ብዘይ ምእዛዝ ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ሓጥኣን ከም ዝኾኑ፥ ከምኡ ኸዓ ብምእዛዝ እቲ ሓደ፥ ብዙሓት ፃድቃን ክኾኑ እዮም።
ሮሜ 5:19
ህያው ነፍሲ ኾነ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ከዓ፥ ህይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ። ግና ቕድም እቲ ስጋዊ፥ ደሓር ከዓ፥ እቲ መንፈሳዊ እዩ እምበር፥ እቲ መንፈሳዊ መጀመርታ ኣይኮነን።
1ይ ቆሮንቶስ 15:45–46
እግዚኣብሄር ከዓ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ... እግዚኣብሄር ድማ ብመልክዑ ንሰብ ፈጠረ፤ ብመልክዕ እግዚኣብሄር ፈጠሮ።
ዘፍጥረት 1:26–27
እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ... ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና። ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም።
ዕብራውያን 1:1–3
ነዞም ዝሃብካዮ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽህቦም።
ዮሃንስ 17:2
እቲ ቐዳማይ ሰብ፥ ካብ መሬት ስለ ዝኾነ መሬታዊ እዩ፤ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ኻብ ሰማይ እዩ። እቶም መሬታውያን ከምቲ መሬታዊ እዮም፤ እቶም ሰማያውያን ድማ፥ ከምቲ ሰማያዊ እዮም።
1ይ ቆሮንቶስ 15:47–48
ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎን ፀሓፍ።
ራእይ 1:19
ግና እቲ ፅሑፍ፦ “ዓይኒ ዘይረአዮ፥ እዝኒ ዘይሰምዖ፥ ልቢ ሰብውን ዘይሓሰቦ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈትውዎ ዘዳለወሎም” ይብል። ንኣና ግና፥ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ገይሩ ገለፀልና።
1ይ ቆሮንቶስ 2:9–10
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ... ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ።
ዮሃንስ 16:13
እንሆ ንሱ ብደመና ኽመፅእ እዩ፤ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎውን ክሪእዎ እዮም፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ፥ ብእኡ ምኽንያት ክበኽዩ እዮም። እወ፤ ኣሜን።
ራእይ 1:7
ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ። ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም። ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
1ይ ተሰሎንቄ 4:13–14, 16–17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ16 ጥሪ 2024
ቈላስይስ 1:19 · ዮሃንስ 3:35
15 ጥሪ 2024
ዳዊት 119:25 · ቈላስይስ 3:1–3
14 ጥሪ 2024
ዮሃንስ 14:28 · ሉቃስ 11:2
13 ጥሪ 2024
ኢሳይያስ 26:3 · ዳዊት 55:22
12 ጥሪ 2024
ይሁዳ 25 · 1ይ ቆሮንቶስ 1:30
11 ጥሪ 2024
ዳዊት 65:1 · 1ይ ቆሮንቶስ 8:6





