16 ጥሪ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 17 ጥሪ: ዕለታዊ ብርሃን, 17 ጥሪ: ንነፍሰይ ኣፍቂርካ፥ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ንነፍሰይ ኣፍቂርካ፥ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ።
ኢሳይያስ 38:17
ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፥ በዙይ እዩ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልና ዝተገልፀ። ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።
1ይ ዮሃንስ 4:9–10
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን። ተመሊሱ ኽርህርሀልና፥ ንበደልናውን ኣብ ትሕቲ እግሩ ኽረግፆ፥ ንዅሉ ሓጢኣትናውን ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽድርብዮ እዩ።
ሚክያስ 7:18–19
ኦ ኣምላኸይ፥ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ምሕረትውን ገበርካለይ። ኦ ጐይታ፥ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውፃእኻያ፤ ናብ ጕድጓድ ከይወርድውን ኣድሓንካኒ።
ዳዊት 30:2–3
ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ዘሓለት፥ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤ ፀሎተይ ናባኻ፥ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ትዕረግ።
ዮናስ 2:7
ተዓጊሰ ንእግዚኣብሄር ደገ ፀናዕኽዎ፤ ... ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት፥ ካብቲ ረግረግ ፀብሪ ድማ ኣውፅአኒ፤ ነእጋረይ ኣብ ኰዅሒ ኣቝሙ ንስጕምተይ ኣፅንዖ።
ዳዊት 40:1–2
ነዝ ዘሎን።
ራእይ 1:19
ሕዝስ ከም ብመስትያት ብፅልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና፥ ገፅ ንገፅ ክንርኢ ኢና።
1ይ ቆሮንቶስ 13:12
ሕዚ ግና ዅሉ ገና ኸም ዝተገዝአሉ ኣይንርእን ዘለና።
ዕብራውያን 2:8
ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።
2ይ ጴጥሮስ 1:19
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፥ ንመንገደይ ብርሃን እዩ።
ዳዊት 119:105
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ዘክሩ። ንሳቶም፥ “ኣብቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ ብኽፉእ ትምኒቶም ዝምርሑ፥ መላገፅቲ ኽትስኡ እዮም።” እናበሉ ነጊሮሙኹም ነበሩ።
ይሁዳ 1:17–18
በቲ ዳሕረዋይ ዘመን ግና፥ ገሊኣቶም እምነቶም ክሒዶም፥ ንመታለልቲ መናፍስትን፥ ንትምህርቲ ኣጋንንትን ከም ዝስዕቡ፥ መንፈስ ብገሃድ ይነግር ኣሎ።
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1
ደቀይ፥ እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት እያ።
1ይ ዮሃንስ 2:18
ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ካባና ደርቢና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ።
ሮሜ 13:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ15 ጥሪ 2024
ዳዊት 119:25 · ቈላስይስ 3:1–3
14 ጥሪ 2024
ዮሃንስ 14:28 · ሉቃስ 11:2
13 ጥሪ 2024
ኢሳይያስ 26:3 · ዳዊት 55:22
12 ጥሪ 2024
ይሁዳ 25 · 1ይ ቆሮንቶስ 1:30
11 ጥሪ 2024
ዳዊት 65:1 · 1ይ ቆሮንቶስ 8:6
10 ጥሪ 2024
1ይ ተሰሎንቄ 5:23 · ኤፌሶን 5:25






