1-2 ኦ ቴዎፍሎስ፥ ኣብቲ ቐዳማይ ፅሑፈይ፥ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ካብ መጀመርታ ሒዙ፥ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝሓረዮም ሃዋርያት ኣዚዙ፥ ክሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ፥ ዝገበሮን ዝመሃሮን ፅሒፈልካ ነይረ። 3 ብድሕሪ ሞቱ፥ ነርብዓ መዓልቲ ዝኣክል እናተርአዮም፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናነገሮም፥ ብብዙሕ መረዳእታ፥ ህያው ከም ዝኾነ ንባዕሉ ኣርኣዮም። 4 ምስኣቶም ብሓደ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኹምዎ፥ ናይ ኣብ ተስፋ ተፀበዩ እምበር፥ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ። 5 ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” ኢሉ ኣዘዞም።
6 ተኣኪቦም እንተለዉ ኸዓ “ጐይታ፥ ኣብዝ ጊዜ እዙይ ዲኻ፥ ንእስራኤል መሊስካ መንግስቲ እተቑመላ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 7 ኢየሱስ ከዓ “ነቲ ኣብ፥ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን እዋንን ክትፈልጡ፥ ኣይተውሃበኩምን። 8 መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፥ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ይሁዳን፥ ኣብ ሰማርያን፥ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን፥ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” በሎም። 9 እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ። 10 ንሱ ኽዓርግ እንተሎ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ፥ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት፥ ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሎም፥ 11 “ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም።
12 ብድሕሪዙይ ሃዋርያት፥ ካብ ደብረ ዘይት ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ደብረ ዘይት ካብ ኢየሩሳሌም መንገዲ ሰንበት ዝኣክል ይርሕቕ ነበረ። 13 ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ናብታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ላዕለወይቲ ደብሪ ደየቡ። ንሳቶምውን ጴጥሮስ፥ ዮሃንስ፥ ያእቆብ፥ እንድርያስ፥ ፊልጶስ፥ ቶማስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ስምኦን ቀናኢ፥ ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ነበሩ። 14 እዚኣቶም ኵሎም፥ ምስ ገሊኣተን ኣንስትን፥ ምስ ማርያም እኖ ኢየሱስን፥ ምስ ኣሕዋቱን ሓቢሮም፥ ፀሎት የዘውትሩ ነበሩ።
15 በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ጴጥሮስ ኣብ ማእኸል እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ፥ ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ኣሕዋት ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ 16 “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንኢየሱስ ክሕዝዎ እንተለዉ ዝመርሖም ይሁዳ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብኣፍ ዳዊት ዝበሎ ቃል መፅሓፍ፥ ክፍፀም ይግባእ እዩ። 17 ቍፅሩ ምሳና እንትኸውን፥ ናይዝ ኣገልግሎት እዙይ ተኻፋላይውን ነበረ። 18 ሕዚ ግና፥ እንሆ እዝ ሰብዙይ ብዓስቢ ዓመፃኡ፥ ግራት ዓደገ፤ ብግንባሩ ተደፊኡ ኸዓ፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ፤ ኵሉ ኣምዑቱ ድማ ተዘርገፈ። 19 እዝ ነገርዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዅሎም ተሰምዐ፤ ነቲ ግራት ከዓ ብቛንቋኣቶም ኣኬልዳማ፥ ማለት ግራት ደም፥ ኢሎም ሰመይዎ። 20 ከምኡ ድማ እቲ ኣብ መፅሓፍ መዝሙር፦
‘ገዛኡ ትዕኖ፤
ኣብኣ ዝነብር ከዓ ኣይረኸብ’ ከምኡውን
‘ንሽመቱ ካልእ ይውሰዳ’
ዝብል፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
21-22 “ስለዙይ ካብዞም ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ፥ ጐይታና ኢየሱስ ካባና ኽሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ፥ ምሳና ኻብ ዝነበሩ ሰባት ካብኣቶም ሓደ፥ ስለ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ እዩ።” 23 ስለዙይ ክልተ ሰባት ኣቖሙ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቲ ኢዮስጦስ ወይ በርናባስ ዝብልዎ ዮሴፍን፥ ማትያስን ነበሩ። 24-25 ሽዑ “ኦ ልቢ ዅሉ እትፈልጥ ጐይታ! እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ክኸይድ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ክቕበል፥ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም፥ ነየንኦም ከም ዝሓረኻ ኣርኢ” እናበሉ ፀለዩ። 26 ዕፃ ድማ ኣውደቑሎም፤ እታ ዕፃ፥ ከዓ ንማትያስ በፅሐት፤ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ሃዋርያትውን ተቘፀረ።
ግብሪ ሃዋርያት · ትመ15
ጳውሎስ፣ ሽዑ ሳውል ዘጠርሴስ፣ ብርቱዕ ሰጓጊ፣ ናብ ደማስቆ እናቐረበ ከሎ፣ ኣብኡ ዘለዉ ምእመናን ንምእሳር እናሓሰበ፣ ጐይታ ተገሊጹሉ ህይወቱ ብምሉኡ ለወጠ። ካብ ሽዑ ንነጀው ህይወቱ ንጐይታ መድሓኒኡ ንምግልጋል ወፈየ። ንሕናውን ንግልግለሉ!
ጐይታ ሳውል እንታይ ከም ዝገብር ከም ዝደለየ ብቕልጡፍ ኣረጋገጸሉ። ሳውል ንእኡን ንዝኣምኑሉን ዝነበሮ ቅንኣት፣ ኣብ ህዝቡ ከገልግል ነበሮ፣ ግናኸ ካብኡ ንላዕሊ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ፣ ከምኡውን ኣብ ማእከል ነገስታትን ኣብ ላዕለዎት ስልጣን ዘለዉ ሰባትን። ሳውል ኣብ ዓዱ ጠርሴስ ገለ ዓመታት ምስ ኣገልገለ፣ በርናባስ ናብ ኣንጾኪያ ኣምጽኦ፣ ኣብኡ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከምኡውን ኣይሁድ ጽቡቕ ስራሕ ጀሚሩ ነበረ። ምስ ካልኦት ብሓባር ብዙሓት ሰባት ኣብኡ መሃሩ፣ ክሳዕ ቅዱስ መንፈስ ክወጹን ናብ ኣህዛብ ክበጽሑን ከም ዘለዎም ዘርኣየ። ንሕናውን ንመሪሕነቱ ንእዘዝ!
በርናባስን ሳውልን ነዚ ሚስዮናዊ ጉዕዞ ጀመሩ፣ ዮሃንስ ማርቆስ፣ ወዲ ሓው በርናባስ፣ ከም ሓጋዚ ምስኦም ከደ። ብቕልጡፍ ምስ ተቓውሞን ስደት ተራኸቡ። ጳውሎስ፣ ቀንዲ ተዛራቢ፣ እኳ ብዳርባ እምኒ ተወቕዐ። ኣምላኽ ሰርሐ፣ ሰባት ድሕነት ረኸቡ፣ ኣኼባታት ተጀመሩ። ናብ ኣንጾኪያ ምስ ተመልሱ ሰባት ሓሰኻ ትምህርቲ እናመሃሩ መጹ። ብጸጋ ኣምላኽ እዚ ኣብ የሩሳሌም ተኣርመ። ንሓቂ ንቑም!
ድሕሪ ምትፍናን በርናባስ ምስ ዮሃንስ ማርቆስ ኸደ። ስራሕ ጳውሎስ ከይተዓገተ ቀጸለ። ንሲላስ ወሲዱ፣ ብኣሕዋት ተሰዲዱ፣ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጉዕዞኡ ጀመረ። ካብዚ ነጥቢ እዚ ንነጀው፣ ንጳውሎስ እተዋህበ ክልተ ዓይነት ኣገልግሎት—ወንጌልን ማሕበርን—ቀንዲ ትኹረት ግብሪ ሃዋርያት እዩ።