9 ጥሪ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 10 ጥሪ: ዕለታዊ ብርሃን, 10 ጥሪ: መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን (1ይ ተሰሎንቄ 5:23)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን፥ ብምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ኽርከብ ይተሓሎ።
1ይ ተሰሎንቄ 5:23
ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን። ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።
ኤፌሶን 5:25, 27
ንሕና ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ፍፁም ጌርና ምእንቲ ኽነቕርብ፥ ብጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፥ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና፥ ንእኡ ንሰብኽ ኣለና።
ቈላስይስ 1:28
እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ።
ፊልጵስዩስ 4:7
ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም፥ ንሰላም ተፀዊዕኹም ኢኹም እሞ፥ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይግዛእ።
ቈላስይስ 3:15
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ንልብኹም የፀናንዕ፤ ብሰናይ ግብርን ቃልን ከዓ የበርትዕኹም።
2ይ ተሰሎንቄ 2:16–17
ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1:8
“ግና፥ ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ?
2ይ ዜና 6:18
“ኣነ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ።
ዘፀኣት 25:8
ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤልውን ክራኸብ እየ፤ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ክቕደስ እዩ። ኣነ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ክነብር፥ ኣምላኾም ድማ ክኸውን እየ።
ዘፀኣት 29:43, 45
ምርኮ ማሪኽካ ናብ ኣርያም ዓረግካ፤ ውህብቶውን ንደቂ ሰብ ሃብካ፤ ኣብኡ ምእንቲ ኽሓድሩስ፥ ንዓመፀኛታትውን ሃብካ።
ዳዊት 68:18
ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።
2ይ ቆሮንቶስ 6:16
ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ።
1ይ ቆሮንቶስ 6:19
ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም።
ኤፌሶን 2:22
መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ምስ ኮነ፥ እቶም ኣህዛብ እቲ ንእስራኤል ዝቕድስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
ሕዝቅኤል 37:28
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ8 ጥሪ 2024
ዳዊት 9:10 · ምሳሌ 18:10
7 ጥሪ 2024
ነህምያ 5:19 · ኤርሚያስ 2:2
6 ጥሪ 2024
ዳዊት 90:17 · ሕዝቅኤል 16:14
5 ጥሪ 2024
ዕብራውያን 4:3 · ኤርሚያስ 9:5
4 ጥሪ 2024
ዘዳግም 12:9 · ሚክያስ 2:10
3 ጥሪ 2024
ዳዊት 107:7 · ዘዳግም 32:10–12






