28 ጥሪ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 29 ጥሪ: ዕለታዊ ብርሃን, 29 ጥሪ: ኣጋር ድማ “ነቲ ዝሪአንስ ኣብዙይዶ ሪአዮ?” (ዘፍጥረት 16:13)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ኣጋር ድማ “ነቲ ዝሪአንስ ኣብዙይዶ ሪአዮ?” እንትትብል ነቲ ዝተዛረባ እግዚኣብሄር “ዝርኢ ኣምላኽ” ኢላ ሰመየቶ።
ዘፍጥረት 16:13
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መርመርካኒ፤ ፈለጥካኒውን። ንስኻ ምቕማጠይን ምትስአይን ትፈልጥ፤ ንዅሉ ሓሳብ ልበይውን ገና ኻብ ርሑቕ ትፈልጦ። ኣሰረይን ዕረፍተይን ንስኻ መርመርካ፤ ንዅሉ መንገደይውን ኣቐዲምካ ፈለጥካዮ። ቃል ዓመፅ ኣብ ኣንደበተይ ከም ዘየለ ፈለጥካዮ። ፍልጠትካ ኻባይ ብዝበለፀ ተደነቐት፤ በርትዐት፥ ናብኣ ኽበፅሕውን ኣይኽእልን።
ዳዊት 139:1–4, 6
ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፤ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ከዓ ይምልከታ።
ምሳሌ 15:3
እምበኣርከስ መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነካይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ።
ምሳሌ 5:21
ንልብኹም ግና እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክቡር ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ እሞ።
ሉቃስ 16:15
ነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝፅግዑ ምእንቲ ኸፅንዖም፥ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሉ ምድሪ እዩ ዝርኢ። በዙይስ ስንፍና ኢኻ ዝገበርካ።
2ይ ዜና 16:9
ኢየሱስ ግና ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን። ነቲ ዅሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝፈልጥ ከዓ፥ ሓደኳ ብዛዕባ ሰብ ክነግሮ ኣየድልዮን ነበረ።
ዮሃንስ 2:24–25
ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ።
ዮሃንስ 21:17
ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣለኹ፤ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ።
ዳዊት 86:12
መስዋእቲ ምስጋና ዝስውአለይ የኽብረኒ።
ዳዊት 50:23
ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ሰናይ እዩ፤ ኦ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ንስምካ ዝማሬ ምቕራብ ሰናይ እዩ። ብንግሆ ምሕረትካ፥ ብለይቲውን ተኣማንነትካ ምንጋር ሰናይ እዩ።
ዳዊት 92:1–2
ኵሉ እስትንፋስ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር የመስግን።
ዳዊት 150:6
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
ሮሜ 12:1
ኢየሱስውን ንህዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኽቕድስ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ መከራ ተቐበለ። እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።
ዕብራውያን 13:12, 15
ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ።
ኤፌሶን 5:20
ነቲ ዝተሓረደ በጊዕ፥ ስልጣን፥ ሃብቲ፥ ጥበብ፥ ሓይሊ፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ውዳሴ፥ ይግብኦ እዩ በሉ።
ራእይ 5:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ27 ጥሪ 2024
1ይ ዮሃንስ 3:5 · ዕብራውያን 1:1–3
26 ጥሪ 2024
ዕብራውያን 13:13–14 · 1ይ ጴጥሮስ 4:12–13
25 ጥሪ 2024
ሮሜ 3:22 · 2ይ ቆሮንቶስ 5:21
24 ጥሪ 2024
ፊልጵስዩስ 4:5 · 1ይ ተሰሎንቄ 4:16–18
23 ጥሪ 2024
ሮሜ 5:5 · ኢሳይያስ 49:23
22 ጥሪ 2024
ዳዊት 48:14 · ኢሳይያስ 25:1





